ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጥም ኣንፃር ኢቦላ ኣብ ሰለተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ኣቶኲሩ ክቕፅል እዩ ኢሉ WHO


ኣንፃር ኢቦላ ዝካየድ ግጥም እቲ ለበዳ ኣስታት 4,900 ሰባት ኣብዝቐተለሉ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ኣተኲሩ ከምዝቕፅል ትካል ጥዕና ዓለም /WHO/ ኣፍሊጡ።

ህፁፅ ኮሚቴ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ጀኔቭ ድሕሪ ምእካቡ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ጊኒ፣ላይበሪያን ሲየራ ሊዮንን ዘሎ ምግፋሕ ኢቦል ጠጠው ምባል ንዓለምለኸ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምክልኻል ኣዚዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ሰራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ሕማም ክቆፃፀርዎ ንምትብባዕ ንድልየት ሰራሕተኛታት ጥዕና ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃቦ ኣለዎ ኢሉ’ሎ።

ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ፣ናይ ባሕሪ በርታትን ዓበይቲ ናይ መመሓላለፊ ቦታታትን ምርመራ ክቕፅል ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ብኻሊእ ናይ ኢቦላ ዜና ሰበስልጣን ጥዕና ፌደራል ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ካብ ጊኒ፣ላይበሪያን ሲየራ ሊዮንን ዝመፁ ተጎዓዝቲ ን21 ማዕልታት ኩነታት ጥዕንኦም ክከታተሉን ዝኾነ ዓይነት ምልክት ኢቦላ ከይህልዎም በብዕለቱ ከመልክቱን ኣዚዞም ኣለው።

እዚ ናይ ሞቆፃፀሪ ፕሮግራም መብዛሕቲኦም ተጎዓዝቲ ኣብ ዝኣትውለን ሽዱሽተ ምብራቓዊ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ጆርጂያ፣ሜሪላንድ፣ኒው ጀርሲ፣ኒው ዮርክን፣ፔንስለቪኒያን ቨርጂናያን ዝቕፅል ሰኒ እቲ ቁፅፅር ክጅምር እዩ።ተወሳኺ ሕሙማት ኢቦላ እንተድኣ ኣጋጢሙና ቅድሚ ናብ ለበዳነት ምልዋጡ ክንምክቶ ከምእንኽእል ህዝቢ ኣሜሪካ እምነት ከሕድር ብዝገብር ኣገባብ ናይ ህዝቢ ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ምሉእ ሃገር ብዝግባእ ነዳሊዮ ኣለና ኢሎም ፕሬዝዳንት ኦባማ።

እዚ ዩናትድ ስቴትስ ኢቦላ ጠጠው ንምባል ተካይዶ ናይ ዘላ ኣካል ሰፊሕ ፃዕሪ እዩ።

ብኻሊእ ዜና ሰሜን ኮሪያ ንምግፋሕ ቫይረስ ኢቦላ ብምስጋእ ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ቱሪስ ናብታ ሃገር ንከይኣትው ምእጋዳ ክልተ ናይ ጉዕዞ ወኪላት ኣፍሊጠን።ካብ ፅባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ዓለምለኸ በፃሕቲ ኣይንቕበልን ኢሎም ኣለው እቶም ወኪላት።ክሳብ መዓዝ ከምዝፀንሕ ኣይተፈለጠን።

Recommended

XS
SM
MD
LG