ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቫይረስ ዚካ መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ (1ይ ክፋል)


ዶ/ር ዳውድ ሲራጅ(ጸጋም) ዶ/ር ሳሚኤል ሃይለአብ(የማን)
ዶ/ር ዳውድ ሲራጅ(ጸጋም) ዶ/ር ሳሚኤል ሃይለአብ(የማን)

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ኣሻቓሊ ጉዳይ ጥዕና ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ዚካ ንፈለማ ግዜ ኣብ 1947 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኡጋንዳ ስዒቡ ናብ ደቡባዊ ኽፋል ርሑቕ ምብራቕ ተጋፊሑ ኣብ 2007 ከምዝተርኣየን ሕጂ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ደቡባዊ ኣሜሪካ ኣብ ቺሌ ጀሚሩ ብብዝሒ ኣብ ብራዚል ተጋፊሑ ይርከብ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ/ር ሳሙኤል ሃይለኣብን ዶ/ር ዳውድ ሰይድ ሲራጅን።

ዶ/ር ዳውድ ኣብ ኢስት ካሮላይና ብሮዲ ቤት ትምህርቲ ሕክምና መምህር ውሽጣዊ ሕማማትን ተመሓላላፍቲ ሕማማትን ከምኡ እውን ዳይረክተር ፕሮግራም ተመሓላለፍቲ ሕማማት እዮም።ዶ/ር ሳሙኤል ሃይለኣብ ድማ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ከተማ ፊነክስ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ላዕለዋይ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝሰርሑ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ባነር ሓላፊ መቆፃፀሪ ተመሓለለፍቲ ሕማማትን እዮም።

ሕማም ዚካ ቫይረስ ንነፍሰ ፁራት ደቂ ኣንስትዮ እንተዘይኮይኑ ነቲ ካልእ ሰብ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ከምዘይኮነ'ውን እዞም ክኢላታት ይገልፁ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቫይረስ ዚካ መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ (1ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:54 0:00

XS
SM
MD
LG