ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

CPJ ንመግለፂ ቀ/ሚ ደሳለኝ ዝሃቦ መልሲ


ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት
ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት

መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ንጋዜጠኛታትን ሚድያን ዝሓዘሉ ኣገባብ፣ንናይ‘ታ ሃገር ናፅነት ምዝራብ ዝፃባእ‘ዩ ኢሉ ሲፒጀይ ዝተባሃለ ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት።

ሓላፊ ሲፒጀይ ጨንፈር ምብራቅ ኣፍሪቃ ቶም ሮድ፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሃብዎ ሪኢቶ ሓድሽ ኣይኮነን ኢሎም።

ጋዜጠኛነት ንመዐወቲ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይጥቀሙሉ‘ለው ዝብል ሪኢቶ ኣዎንታዊ ውፅኢት ኣየርክብን‘ውን ኢሎም።

“እቲ ዘጉሂ ነገር፣ካብ‘ቶም ቀ/ሚ ከም‘ዚ ዝበለ ሪኢቶ ንክንሰምዕ መጀመርታ ጊዜ ዘይምኳኑ‘ዩ።ቅድሚ ሎሚ‘ውን ጋዜጠኛታት ንሞዮኦም ሸበራዊ ተግባር ንምፍፃም ይጥቀሙሉ‘ለው ኢሎም ነይሮም።ኣዝዩ ዘጉሂ‘ዩ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝኽተሎ ኣብ ልዕሊ ናፅነት ምዝራብ ዝስዕቦ ኣልቦ ምፅዋር፣ነታ ሃገር ይረብሕ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን” ይብሉ ንሶም።

”ኢትዮዽያ ኣብ ታሪኻ ክሳብ ክንዲ‘ዚ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ኣሲራ ኣይትፈልጥን።ተስፋ ዘይብሉ ይመስለኒ።17 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም‘ለው። ንተመስገን ደሳለኝ‘ውን ኣሲሮምዎ‘ለው።ብፆተይ ከምዝብሉኒ፣ተመስገን ንመንግስቲ ኣብሊሖም ካብ ዝነቅፉ ናይ መወዳእታ ጋዜጠኛ‘ዩ ነይሩ” በሉ ሚስተር ሮድ።

XS
SM
MD
LG