ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመንቲ ንዝተፀገሙ ንኽሕግዙ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና ኢትዮጵያን ኤርትራን ፀዊዖም


Map of Eritrea and Ethiopia
Map of Eritrea and Ethiopia
መበል 2006 ዓመት ለደት እዮሱስ ክርስቶስ ብኣመንቲ ክርስትና ሎማዕንቲ ሰሉስ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመንቲ ነቲ ብዓል ንዝተፀገሙን ንዝስኣኑን ብምሕጋዝ ንኸብዕልዎ ፀዊዖም ኣለው።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና ኢትዮጵያን ኤርትራን መበል 2006 ዓመት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽትን ቡራኼን ብምሃብ እቲ ብዓለ ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምሕብሓብን ከምኡ እውን ነንሕድሕድ ብምፍቕቓርን ምክብባርን ክኽብሩዎም ተጠናኺሩ ክቕፅልን ፀዊዖም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ብምኽንያት ብዓል ልደት እየሱስ ክርስቶት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ እቲ ብዓል ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ደቂ ሰባትን ዕርቂ ዝወረደሉ ዕለት ስለዝኾነ ናይ ምፍቓርን ምክብባርን ባህሊ ብምጥንኻር ኣመንቲ ምስ ዝተፀገሙ ወገናት ብሓባር ከሕልፍዎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሊቀ-ጳጳስ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ብርሃነ እየሱስ እቲ ብዓል ደቂ ሰባት ካብ ኣምላኽ ፀጋ ዝረኸበሉ ዕለት ስለዝኾነ ንወገናትና ፅቡቕ ንግበር ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ወንገላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ እየሱስ ፕሬዝዳንት ቀሺ ዶ/ር ዋቅ ስዩም ኢዶሳ ኣብ እዋን እቲ ብዓል ይኹን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳትና ሰናይ ተግባራት ብምስራሕ ንወገናትና ዘለና ፍቕሪ ክንገልፅ ይግባእ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ወንገላዊት ኣብያተ ክርስትያናት ሕብረት ዋና ፀሓፊ ቐሺ ኣለሙ ሸይጣ ብወገኖም እቲ ብዓለ ናይ ፍቕርን ሰላምን መግለፂ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብን ንባዕሉ ሕጋዊ እየ ናይ ዝብልን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስያዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆርዮስ ብወገኖም ንኣመንቲ እንዃዕ ኣብፀሓኩም ብምባል እቲ ዕለት እየሱስ ክርቶስ ንዝተፀገሙን ንዝተጠቕዑን ደቂ ሰባት ንምድሓን ዝመፀሉ ዕለት ስለዝኾነ ንሕና እውን ኣብ መከራ ንዝርከቡ ወገናትና ክንድ ዝክኣለና ክንሕግዞም ይግብእ ኢሎም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ንኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ናይ ዘገልግል ናይ ካቶሊክ ኪዳነምህረት ግእዝ ራይት ቤተ ክርስቲያን ቆመስ ኣባ ኣል ኣዛር ጊደይ ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ ብፍላይ ድማ ንኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ስዓብቲ ክርስትና እንዃዕ ንልደት እየሱሱ ክርስቶት ኣብፀሓኩም ኢሎም።

ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብምኽንያት ብዓል ልደት ቡራኬ ሂቦም።ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ መልእኽቶም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንዝርከቡ ኣመንቲ ፅቡቕ ብምምናይ እቲ ብዓለ ብመንፈስ ፍቕሪ፣ሰላም፣ሓድነት ንክኽበር ብምፅላይ ኣመንቲ ነቲ ብዓል ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ንከኽብርዎ ፀዊዖም።

ብተመሳሳሊ ናይ እየሱስ ክርስቶስ ብዓል ልደት ብጁሊያን ኣቆፃፅራ ኣብ ዝኽበረለን ኣብ ግብፂ፣ሩሲያ፣ዩክረይን፣ሰርቢያ፣ቦስኒያን፣ቤተልሄምን ካልኦትን እውን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ከምዝተኸበረ ካብ ዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ዝረኸብናዮ ፀብፃብ ይሕብር።
XS
SM
MD
LG