ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባዊ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ፣ጽባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲሳበባ ክጅምር'ዩ


ግጥማት ሴካፋ 2015
ግጥማት ሴካፋ 2015

ናይ ሎም-ዘበን ግጥማት ፅዋዕ ማእከላይን ምብራቅን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኢትዮጵያ ክኽፈት’ዩ።

ንግጥማት ሴካፋ ፅባሕ ዝኸፍታ ሕሩያት ጋንታታት ኣተኣናጋዲት ሃገር ኢትዮጵያን ሩዋንዳን’የን።

እቲ 12 ሃገራት ዝሳተፋሉ ግጥማት ኣብ ስታድየማት አዲስ አበባ፣ ባህር ዳርን ሀዋሳን’ዩ ክካየድ።

መእተዊ ዋጋ ኣብ ኣዲሳበባ ካብ 500 ክሳብ 10 ቅርሺ ክኸውን’ዩ። ኣብ ሃዋሳን ባህርዳርን ድማ ካብ 10 ክሳብ 100 ቅርሺ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ምድብ ሓደ ኢትዮጵያ፣ሩዋንዳ፣ ታንዛኒያን ሶማሊያን። ኣብ ምድብ ክልተ ቡሩንዲ፣ ኬንያ፣ ዛንዚባርን ኡጋንዳን። ኣብ ምድብ ሰለስተ ጂቡቲ፣ ማላዊን ክልቲኤን ሱዳንን ኣለዋ።

ኣብ መበል 38ን ውድድራት ሴካፋ ዝሳተፋ ኩለን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG