ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ኣፍሪቃ


ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን
ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ዝመፅእ ሰሙን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መገሻ ክፍፅሙ‘ዮም።

ንሶም ምስ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጂም ያንግ ኪም፣ሰበ-ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ሕብረት ኣውሮዻ፣ኢጋድ፣ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ልምዓት ባንኪ ሙስሊማትን‘ዮም ነቲ መገሻ ዝፍፅሙ።

ዋና ፀሓፊ ምስ ከምዚ‘ኦም ዝኣምሰሉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኮይኖም መገሻ ንክፍፅሙ ንሳልሳይ ጊዜ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኻት ቅድም ኣብ ኢትዮዽያ ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያምን ምንስትር ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ክራኸብ‘ዩ።ምስ ምንስትር ወፃኢ ኢጋድን ኣዶ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን‘ውን ክዘራረብ መደብ ኣለዎ።

ኣብ ጂቡቲ‘ውን ኣትዮ ምስ ፕረዚደንትን ቀ/ሚንስትርን ከምኡውን ፕረዚደንት ፓርላማ ክራኸብ‘ዩ።

ኣብ ኬንያ ምስ ፕረዚደንት ክራኸብን፣ዋና ፀሓፊ ኣብ ናይሮቢ ዓለም-ለኸ ሚድያ ወፍሪ ፀረ ግርዘት ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ዝዘራረብ ዋዕላ ክሳተፉ‘ዮም።

XS
SM
MD
LG