ብ ሰለሞን ጸሃየ ዝተጻሕፈት `ማሰን መልቀስን ቀዳሞት` መፅሓፍ ብዕምቆታን ርዝነታን ፈላመይቲ`ያ ይብሉ ገምገምቲ
ኣባ ግርማይ ኣብርሃ፡ ኤልያስ ኣማረ፡ ደራሲ ሰለሞን ጸሃየ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ቀሪቦም ኣለዉ
Tewelde Weldegebrel
15.03.2013
ኣባ ግርማይ ነታ መጽሓፍ ብትሕዝቶኣን ተሕድሮ ጽልዋን ክገልጹ ኸለዉ፡ ኤልያስ ድማ ደራሲ ንዝተኸተሎ ኣገባብ መጽናዕትን ዝተወከሶ ምንጭታትን ገምጊሙ`ሎ። ደራሲ ኣቶ ሰለሞን ትርጉም ማሰን መልቀስን ከምኡ`ውን ንዘካየዶ መጽናዕቲ ከረድእ ፈቲኑ`ሎ።
ደራሲ ንግጥሚ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ዝርከቦ ሓያለ ጽሑፋትን ግጥምታትን ዝበርከተን ኣብ ባህላዊ መጽናዕቲ ዝነጣጠፍ ዘሎን`ዩ። ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ካህን ማሕበር ሲታውያን ኮይኖም፡ ጸሓፍን መምህርን`ዮም። ኤልያስ ኣማረ ድማ ክኢላን ተንታንን ኣፍሪቃ`ዩ።
ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡
Masen-Melqes