ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተኣስሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ኤርትራ


ሱዳን ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኸየተረክቦም ብዙሕ ንጽዕር ኣለና ይብሉ ምንጪታት ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ኣብ ሱዳን ዝተኣስረ ኣቶ ሑሴን ከሊፋን ብጻዩ ኣቶ ዓብደላ ሓምዳይን ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን ይብሉ ብጾቱ።

ካብ ካርቱም ንቪኦኤ ቃሉ ዝሃበ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ`ቲ ውድብ ኣቶ ዓብዱ ኣሕመድ፡ ኣብ`ቲ ጉዳይ “ኢድ ስርዓት ኤርትራ ክህሉ ይኽእል” ዝብል ጥርጣረ ከምዘሎ ኣሚቱ።

ኣቦ-መንበር`ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ካርቱም ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለ፡ ካልእ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ኣቶ ዓብደላ ድማ ካብ ከሰላ ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።

ሱዳን ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ንኸየተረክቦም ብዙሕ ንጽዕር ኣለና ይብል ካልእ ምንጪ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

XS
SM
MD
LG