ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ብምጥፋእ ዓሶ ብመራሕቲ ኣፍሪቃ ተቐባሊት ብሉጽ ሽልማት ኮይና


ካልኦት ድማ ቦስትዋና፡ ኬብ ቨርደ፡ ናሚብያ፡ሩዋንዳ፡ሳዎ ቶም፡ ፕሪንችፐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ስዋዚላንድን ይርከበን

ጥምረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሕማም ዓሶ (አልማ) ፣ናይ 2016 ሽልማት ነተን አብ ኣፍሪቃ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብምጉዳልን ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገባ ሃገራት መደብ አዳልዩ። እቲ ብመራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመ ጥምረት ንኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሃገራት መሪጽዋ'ሎ።

ጥምረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሕማም ዓሶ (አልማ) ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ 2016 ሽልማት ነተን አብ ኣፍሪቃ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብምጉዳልን ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገባ ሃገራት አዳልዩ ኔሩ። ኣብቲ 30 ጥሪ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ጸሃፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን፣ ኣደ መንበር ኮምሽን ሕብረት አፍሪቃ ዶ/ር ዲላሚና ዙማ፣ ናይ ቻድ ፕረዚደንትን ናይ አልማ ኣቦ መንበርን ኢድሪስ ደቢን፣ ካልኦት መራሕቲ ተረኺቦም ኔሮም።

ካብተን ብዝበለጸ ውጽኢት ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶን ምዕዋት ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ዝተሓጸየ ሃገራት፡ ካብ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ቦስትዋና፡ ኬብ ቨርደ፡ ናሚብያ፡ሩዋንዳ፡ሳዎ ቶም፡ ፕሪንችፐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ስዋዚላንድን ይርከባ። ንኤርትራ ወኪሎም ቀዳማይ ጸሓፊ ቀዋሚ ተልእኮ አብ ሕብረት አፍሪቃን ናይ ኮሚሽን ቁጠባ አፍሪቃ ኣቶ ቢንያም በርሃ ነቲ ብልጫ ተቀቢሎሞ።

ጥምረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሕማም ዓሶ ሽልማት
ጥምረት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሕማም ዓሶ ሽልማት

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት አብ ኣፍሪቃ ሕማም ዓሶ ልዕሊ 437,000 ሽሕ ህጻናትን 163 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት በብዓመቱ የጥቅዕ። ብሰንኪ'ዚ ሕማም ሰማንያ ሚእታዊት ሞት አብ አፍሪቃ ከምተመዝገበ'ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ብደረጃ ዓለም ካብ ዝተገብሩ ጻዕርታት ምጉዳል ዓሶ ካብ 34 ሚእታዊት ናብ 54 ሚእታዊት ጎዲሉ’ሎ።

ቀዳማይ ጸሓፊ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ አብ ሕቡራት አፍሪቃን ናይ ቁጠባ ኮሚሽን አፍሪቃ ኣቶ ቢንያም በርሃ ብቴሌፎን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ዕንቅፋታት ልምዓት ኣብ መጻኢ መደባት ከምዘለዉ ገሊጾም።

ብሰንኪ ሕርሲ ትመውት ሓንቲ ኣደ ክትህልው የብላን። ብሰንኪ ግቡእ ክንክን ውን ሂወቱ ዝስእን ቆልዓውን ክህሉ የብሉን።
ቀዳማይ ጸሓፊ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ አብ ሕቡራት አፍሪቃን ናይ ቁጠባ ኮሚሽን አፍሪቃ ኣቶ ቢንያም በርሃ

ኤርትራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ብሸቶታል ልምዓት ሚለንየም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጉድለት ሰብአዊ መሰላት'ውን ትጥቀስ'ያ። ኣቶ ቢንያም ፡ብዛዕባ'ዚን መስርሕ ምጉዳል ለበዳ ዓሶን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ'ቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ ብምጥፋእ ዓሶ ብመራሕቲ ኣፍሪቃ ተቐባሊት ብሉጽ ሽልማት ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:03 0:00

XS
SM
MD
LG