ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘበናዊ ሕርሻ ኣብ ጐላጉል ራያ ቆቦ - ኢትዮጵያ


አቶ ኪሮስ ዳኘው
አቶ ኪሮስ ዳኘው

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጐላጉል ራያ ቆቦ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም መዲቦም ኣብ ዘበናዊ ሕርሻ ወፊሮም ኣለዉ። ካብኣቶም ሓደ “ኪወ” ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቂ ትካል ይበሃል። እቲ ትካል ብኣይተ ኪሮስ ዳኘው እዩ ዝውነን።

ኣይተ ኪሮስ ዳኘው መንግስቲ ኣብ ዝፈቐደሎም 250 ሄክታር መሬት በናና፣ማንጐ፣ለሚንን ሞሪንጋን የፍርዩ ኣለዉ። ነዚ መፈፀሚ ዝኸውን ድማ ጐዳጉዲ ማይ ኵዒቶም 40 ሽሕ ሜትር ኵዩብ ማይ ዘዋህልል ሆረየ ድማ ሃኒፆም ኣለዉ። እቲ ሆረየ ግቡእ ክንክን እናተገበረሉ ክሳብ 20 ዓመት ክፀንሕ ዝኽእል እዩ እውን ተባሂሉ´ሎ። እቲ ዘበናዊ ሕርሻ ብእስራኤላውያን ክኢላታት እናተሓገዘ እዩ ዝስራሕ ዘሎ።

እቲ ሕርሻ ብምሉእ ሓይሉ ስራሕ ምስጀመረ ክሳብ ን300 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እቶም በዓል ሃፍቲ ይዛረቡ። ኣብ ከይዲ ስረሖም ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓ ግቡእ ሓገዝ ከምዝገብርሎም ዘለዉ እውን ገሊፆም ኣይተ ኪሮስ።

ውፅኢት ምህርቲ እቲ ሕርሻ ካብ ሃገር ወፃኢ ከምዝለኣኽ ሓቢሮም፤ እቲ በቲ ከባቢ ዝሓልፍ ዘሎ መስመር ባቡር ወልድያ መቐለ ነቲ ልምዓት ምችዊ ከገብሮ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ይገልፁ።

ኮይኑ ግና ኣይተ ኪሮስ ዳኘው እቲ ሕርሻ ልዑል መጠን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝሓትት ትካል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ፓሎ ኣብ ምዝርጋሕ ብሎሚ ፅባሕ ደንጕዩና´ሎ እንትብሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ነዚ መፈፀሚ ዝኸውን ትካሎም ንሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ሓደ ሚልየንን ሓሙሽተ ምኢቲ ሽሕን ከምዝኸፈለ ተዛሪቦም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:56 0:00

XS
SM
MD
LG