ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሓላፊት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ቱር ዲ ፍራንስ


Cycling Tour de France
Cycling Tour de France

ወ/ሮ ገነት ሃይለሚካኤል፡ እቲ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ ክሳብ ሕጂ ሕልሚ`ዩ ኮይኑ ኢዩ ዝስማዓካ ትብል

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሓላፊት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ቱር ዲ ፍራንስ

ወ/ሮ ገነት ሃይለሚካኤል፡ እቲ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ ክሳብ ሕጂ ሕልሚ`ዩ ኮይኑ ኢዩ ዝስማዓካ ትብል።

ብዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ብመርሃዊ ቕዱስን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተመዝገበ ታሪኽ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዩኔስኮ ኣፍልጦ ረኺቡ ከምዝተመዝገበ`ውን ጠቒሳ። ወኪል ዩኔስኮ ኣብ`ቲ በዓል ተረኺቡ ዘስምዖ መደረ`ውን ሓቦ ዘስንቕ`ዩ ትብል ወ/ሮ ገነት።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፡ ናብ`ቲ ውድድር ዝተኻየደሉ ቦታ መጺኦም፡ ዘርኣይዎ ድጋፍ ዝድነቕ ከምዝኾነ`ውን ትገልጽ።

ኣብ ደረጃ ከለባት፡ እታ ክልተ ኤርትራውያን ዝሓቆፈት ደቡብ ኣፍሪካዊት ክለብ ኤም ቲ ኤን ኩበካ ኣብ ናይ ፈለማ ግዜ ሱታፌኣ፡ ናይ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ቱር ዲ ፍራንስ ፈጺማቶ`ላ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ President Jacob Zuma ንጋንታ MTN-Qhubeka ኣብ`ቲ 112 ዓመት ዘቁጸረ ቱር ዲ ፍራንስ ብምስታፍ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ብምዃናን ብዘርኣየቶ ዓወታትን እንቋዕ ኣሓጎሰና ኢሎም። ኣተሓሒዞም፡ ወዲ መሓዛ ሃገር ኤርትራ ዝኾነ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣንበሳ ዓቐብ ኮይኑ ብምዕዋቱ ተሓጉሰ`የ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን፡ ንዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ንመርሃዊ ቅዱስን ኣብ ኣስመራ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ንኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ዝጠቐሰ ሻባይት ኣፍሊጡ`ሎ

XS
SM
MD
LG