ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ኣብ ዝጸውዖ ሰልፊ፡ ኣንጻር መንግስቲ ረብሻ ተላዒሉ


Ethiopia-Protest
Ethiopia-Protest

እቲ ግጭት ዝተላዕለ ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ንዝተቐተሉ ኢትዮጵያውያን ሓዘኖምን ቁጥዕኦምን ክገልጹ 10`ታት ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝወጽሉ እዋን`ዩ

ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ንዝተቐተሉ ኢትዮጵያውያን ሓዘኖምን ቁጥዕኦምን ክገልጹ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወጹ 10`ታት ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን፡ ገሊኦም `ደምና ይመለስ` ዝብል ኣብ ልዕሊ`ቲ እስላማዊ ግዝኣት ማለት ዳዕሽ ናይ ብቀላ መልእኽቲ የስምዑ ኔሮም። “ኣረሜናውያን ቐተልቲ ናይ ኢዶም ክረኽቡ`ዮም”። ኣብ`ቲ ጽንኩር ኩነታት ሓድነትና ነትርር ዝብሉ`ውን ኔሮም።

ገሊኦም ስለፈኛታት ድማ፡ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ ኣተሓሕዛ ከዐሪ ይጽውዑ ኔሮም።

“ኣብ ሃገርና ንሰርሖ ስኢና ኢና ንስደድ ዘለና”። መንግስቲ ንዘውጽኦ ሕገ-መንግስቱን ንመሰል ዜጋታትን ከኽብር`ውን ዝጽውዑ ኔሮም።

ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፍኛታትን ግጭት ተላዒሉ፡ ሰልፈኛታት እምኒ ደርብዮም፡ ፖሊስ ድማ ብበትርን ብዘንብዕ ጋዝን በቲንዎም።ዝቖሰሉ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00

XS
SM
MD
LG