ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

` ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ሹዱሽተ ጋዜጠኛታት ከምዝተፈትሑ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ጋዜጠኛት ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ኣፍሊጡ


RSF
RSF

ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ`ውን ካልኦት 7ተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም ኔሮም`ዮም ግን ብኣግኡ ኣየውጻእናዮን ይብል እቲ ትካል

ሕጂ ተፈቲሖም ዘለዉ ኣብ ረድዮ ባና፡ ሬድዮ ዛራ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ዝሰርሑ ዝነበሩ በረኸት ምስግና፡ ይርጋኣለም ፍስሃ መብራህቱ፡ ባሲሊዮስ ዘሞ፡ መለስ ንጉሰ ክፍሉ፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ ጴጥሮስ ተፈሪ`ዮም።

ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ`ውን ካልኦት 7ተ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም ኔሮም`ዮም ግን ብኣግኡ ኣየውጻእናዮን ይብል እቲ ትካል

“ በቲ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ታሕጓስና ንገልጽ፡ ነቶም ዝተረፉ ክፈትሕ`ውን ነተባብዕ” ይብል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት

ኣብ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ሓላፊት ክፍሊ ኣፍሪቃ ካን ሲበኽ ንቮኦኤ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

XS
SM
MD
LG