ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ተኸፊቱ


The Washington Monument as seen from the west front of the U.S. Capitol. The Lincoln Memorial is just beyond the monument.
The Washington Monument as seen from the west front of the U.S. Capitol. The Lincoln Memorial is just beyond the monument.

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሎም መዓልቲ ሰኑይ 29 መስከረም 2014 ተኩሲ ተኸፊቱ። ነቲ ኩነታት ንኽከታተል ናብቲ ኤምባሲ ዘምርሓ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ፣ ኣብቲ ኤምባሲ ክልተ ተኩሲ ዝስምዓሉ ቪድዮ ከም ዝርአየ ሓቢሩ'ሎ።

ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ'ለዉ ንዝበልዎም ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ብዝምልከት ተቃውሞ ንኸስምዑ ዝኸዱ ሰባት፣ ኣብ ቀፅሪ'ቲ ኤምባሲ ተራእዮም። ሓለዋ ፀጥታ'ቲ ኤምባሲ ኣብቲ እዋን ናይ ኢዱ ሽጉጥ ብምውፃእ ናብ ሰማይ ከነፃፅርን፣ ሰባት ክፅግዕዎ ከለውን ተራእዮም። ፀኒሑ ናብቶም ሰባት ገፁ ከምዘነፃፅረ እቲ ምስሊ የርኢ። በቲ ተኩሲ ዝተወቅዔ ሰብ ከም ዘየለ ፖሊስ ዋሽንግተን ዲሲ ከፍልጥ ከሎ፣ ተኩሱ'ዩ ዝተባህለ ሓላፊ ሓለዋ ፀጥታ'ቲ ኤምባሲ ሰሎሞን ወዲ ዓይኒ ብናይ ዩናይትድ ሴትይትስ ሴክሬት ሰርቪስ ንሕቶ ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ዊዒሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG