ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ሃገርኩም ተመለሱ ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ምስ ኣሳደዱና ተመለሱ ዝብልሉ ምኽንያት ክርዳኣና አይከኣለን ኢሎም


ETHIOPIA
ETHIOPIA

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ መፅሄታትን ሓደ ጋዜጣን ሚኒስተር ፍትሒ'ታ ሃገር ክሲ ድሕሪ ምምስራቱ ካብ ሃገር ዝወፁ ጋዜጠኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቅነ ፀዊዑ።

ገለ ካብቶም ዝወፁ ጋዜጠኛታት ግን እዚ ተመለሱ ዝብል ዘረባ ሓቂ አይመስለናን፣ ሰበ- ስልጣን'ታ ሃገር ዝብልዎ ንሓድ ሕዱ ዘይቃዶ'ዩ ብምባል አይተቀበልዎን።

ካብ መንጎ'ቶም ናብ ሃገርኩም ተመለሱ ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ኣቶ ሚሊዮን ሹሩቤን አቶ ኤልያስ ገዲሳን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ምስ ኣሳደዱና ተመለሱ ዝብልሉ ምኽንያት ክርዳኣና አይከኣለን ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

TIG-Ethiopia-Exiled-Journalist
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG