ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስግኣት ሕማም ኢቦላ -፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ከ እንታይ ይገብራ'ለዋ?


ኢቦላ ንምዕራብ ኣፍሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኻልኦት ሃገራት ዘስግአ ሕማም ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን’ከ ብፍላይ ኸኣ ክልል ትግራይ ነዚ ብኸመይ ይርእይኦን ዝገብርኦ ቅድመ መጠንቀቕታ’ኸ ከመይ ይመስል።

ሰበስልጣን ጥዕና ኤርትራን ክልል ትግራይን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም'ለው።

ዶ/ር ፍቅረማርያም ጊላሚካኤል ኣብ ምንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ዳህሳስን ቀዳምነት ዝወሃቦም ሕማማት ፣ ካብ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣቶ ዮሃንስ ገብረሃዋሪያት ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ቅድመ መጠንቀቕታን ዳህሳስን ሕማማት እዮም።

ኢቦላ ንኽልቲኤን ሃገራት ሓዊሱ ንከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ የስግእ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዝቀረቦም ዶ/ር ፍቅረማሪያም ጊላሚካኤልን አቶ ዮሃንስ ገብረሃዋርያት ይምልሱ።

ስግኣት ሕማም ኢቦላ -፡ ኤርትራን ኢትዮጵያ’ከ እንታይ ይገብራ'ለዋ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:34 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG