ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ን85 ኣደታት ካብ ሓደጋ ፊስቱላ ዘናገፋ ወላዲት


healing hands of joy
healing hands of joy
ወይዘሮ ብርሃን ገብረሄት ኣብ እንደርታ ቁሸት በራቒት ኣብ ገዘአን ወሊደን ግዳያት ሕማም ፊስቱላ ከይኾና ኣብ ቤት ሕክምና ወሊደን ድሕነተን ክረጋገጽ ዝሕግዝ ስራሕ ሰሪሐን፡፡

ወይዘሮ ብርሃን ሓንቲ ካብተን 129 ብ Healing Hands of Joy ዝሰልጠና ካብ ሕማም ፊስቱላ ዝተናገፋ ኣብነታውያን ኣደታት እየን፡፡

እቲ ትካል ወርሓዊ 10 ኣደታትናብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘጣየሾ ማእኸል ኣምጺኡ ይሕብሕብ፡፡ እተን ሕክምና ፊስቱላ ወሲደን ዝሓወያ አደታት ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሞያዊ ስልጠና ይረባ፣ ምጽሓፍን ምንባብን ይለምዳ፣ ካባና ተማሃራ ኢለን ንኣደታት ክምህራን ኣብ ማእኸላት ጥዕና ንኽወልዳ ክምዕዳን ዘኽእለን ስልጠና ይወስዳ፣ ከምኡ’ውን ንመተሓዚ ዝኸውን 150 ዶላር ኣሜሪካ ይረኽባ፡፡

Healing Hands of Joy ፊስቱላ ካብ ኢትይጵያ ንምጥፋእ ዝሰርሕ ብ2010 ዝተጣየሸ ኣሜሪካዊ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዓመታዊ 9000 ኣደታት ግዳያት ፊስቱላ ከምዝኾና መጽናዕቲ ይሕብር፡፡
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:50 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG