ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብያተ-ጽሕፈት ኮምሽን ጸረ-ብልሽውና ኣብ ክልላት፣ጣልቃ ናይ ምእታው ጸገም የጋጥሞም’ሎ


ጭብጥታት እናሃለወ ስለዝፈርሐ ጥራሕ ዘይከሰሶ ወገን ከምዘየለ ኮምሽን ፀረ ብልሽውና ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እንተኾነ ኣብ ክልላዊ ኣብያተ-ፅሕፈታት ዘለው ኣብያተ-ፅሕፈታት ፀረ-ብልሽውና ጣልቃ ናይ ምእታው ተበግስቶታት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ናይ’ቲ ኮምሽን ሓላፊ ኣቶ ዓሊ ሱሌማን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ‘እቲ ኮምሽን ብሙሉእ ዓቅሙ ይሰርሕ ኣሎ’ ኢሎም።

እቲ ኮምሽን፣ብብልሽውና ንዝጥርጠሩ ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ኣይከሰሶምን ንዝብል ዝቀረበ ቅሬታ ኣቶ ዓሊ ነፂጎሞ።

መንግስታዊ ሚድያታት ንወፍሪ ፀረ ብልሽውና’ቲ ኮምሽን ሓገዝቲ ኣይነበሩን፣ እዚ ሕፅረት’ዚ ንምቅላል፣ ስልጠና ጋዜጠኝነት ፍሉይ ምርመራ ከምዝዋሃብ ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG