ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ኣምነስቲ መንግስታት ዓለም ንስቪላት ኣይተኸላኸሉን ምባሉ


Amnesty International LOGO
Amnesty International LOGO

መንግስታት ዓለም ብመንግስታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ህውከት ዝፍፀሞም ስቪላት ክካለኸሉ ኣይክኣሉን ኢሉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ዝወፀ ፀብፃብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ Amnesty International።ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ምፅናት ዘርእን ጃምላዊ ህልቂትን ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰለን ካብ ምጥቃም ክስሕባ ፀዊዑ’ሎ።

ዋና ፀሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሳሊል ሸቲ ንቪኤ ኣብዝህብዎ ቃል ኣብ ዙሪያ ዓለም 2014 ኣ/ፈ ንግዳያት ግጭትን ህውከትን ናይ ህልቂት ዓመት ነይራ ኢሎም።ብምስዓብ ‘’ካብ ሶሪያ ክሳብ ዩክሬይን፣ካብ ጋዛ ክሳብ ናይጀሪያ ሚሊዮናት ስቪላት ዓለም ብዘስካሕክሕ ህውከትን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ተሳቒዮም እዮም’’ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ዘጋጠማ ዓመት እውም ነይራ 2014 ኣ/ፈ ብመሰረት ፀብፃብ ኣምነስቲ።ኣርባዕተ ሚሊዮን ሶሪያዊያን ስቪላት ብኲናት ተመዛቢሎም ኣለው።ኣሽሓት ስደተኛታት ድማ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያ ጠሊቖም።

ሃብታም ሃገራት ህይወት ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ምድሓን ካብ ሃገረን ንኽወፁ ኣብ ምስራሕ እየን ኣተኲረን ይብሉ ሸቲ።መራሕቲ ካብ ሓደጋ ንዝሃድሙ ዘለው ንምሕጋዝ ቅሩቡነቶም ከረጋገፁ እውን ፀዊዖም ብምስዓብ።

ባህሪያት ዓለምለኻዊ ግጭት እናተለዋወጠ ክኸይድ ኣሎ ኢሎም።‘’ብዝሒ ብረት ናይ ዘልዕሉ ጉጅለታት ብዘገርም ኩነታት እናዓበየ ይኸድይ ኣሎ’’ዝበሉ ንሶም ብምቕፃል ‘’ኣስታት 35 ሃገራት ብረት ምስ ዝተዓጠቑ ከበድቲ ጉጅለታት ኣብ ግጥም ይርከባ።ስቪላት ጃምላዊ ህልቂት ከይፍፀሞም ኣብ ምሕላው መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ሓላፍነት ኣለዎም’’ኢሎም።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ክፍሊ ኣድቮከሲ ስቲቭ ክራውሻው ኣብ 2014 ኣ/ፈ ዘጋጠመ ዘሕዝን ነገር ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታ ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰሰልን ምጥቃመን ዘደንቕ ፍሽለት እዩ፤ኣብቲ ቤት ምኽሪ ክልተ ግዜ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ይብሉ።

ሩሲያ ንዘይሕጋዊ ረፈረንደም ክሪሚያ ንዝኹንን ውሳነ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰላ ተጥቒና ስዒራቶ።ሩሲያን ቻይናን ንሶሪያ ዝኹንን ውሳነ ዓፂየንኦ።

ስቲቭ ክራውሻው ሓያላት ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንዓኣተን ብዝጥዕም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ስለዝተሰማምዓ ናይ ዓለምና ስቪላት ይሳቐዩ ኣለው ኢሎም።

ምፅናት ዘርእን ጃምላዊ መቕተልትን ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰለን ካብ ምጥቃም ክዕቀባ ኣምነስቲ ይፅውዕ።

ንዘን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን ሓሙሽተ ቐወምቲ ኣባላት ማለት እውን ሩሲያ፣ብሪታኒያ፣ፈረንሳይ፣ቻይናን ዩናይትድ ስቴትስን ከምኡ ክገብራ ንምእማን ከቢድ እንተኾነ እውን ክዕወት ዝኽእል እዩ ኢሎም ክራውሻው።

ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ክውሰድ ዝነበሮ ዝጉምቲ እንተዘይወድቕ ነይሩ ጉዳይ ፕሬዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳድ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ምተልኣኸ፤ንስቪላት እውን ዓብዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቐረበ ነይሩ ኢሎም ክራውሻው።

XS
SM
MD
LG