ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አፍሪቃዊያን ተላዘብቲ ዛዕባ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ዕውት ኽከውን'ዩ ይብሉ


ላዕለዎት ተላዘብቲ አፍሪቃ አብ ዋዕላ ፓሪስ- ለውጢ ክሊማ አብ ኣብ ኣሳሪ ስምምዕ ክብጻሕ እምነት ኣለና ይብሉ።በአንጻሩ ተመራመርቲ ሳይንስ ግን ክንኪ ዝድለ መጠን ሙቐት ግምታዊ እዩ ይብሉ።

ኣብ ዋና ከተማ ፈረንሳይ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ፓሪስ አብ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ደቡብ ኣፍሪካዊያን ተላዘብቲ እቲ ልዝብ ዕውት ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም እንተኾነ እንታይ ትሕዝቶ ከምዘለዎ ግን ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ገለ ክኢላታት ደቡብ ኣፍሪካ አብ ዘዓንገደቶ ናይ 2011 ዓ.ም.ፈ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ልዝብ ሃገራት ኣፍሪካ ሓዊሱ ድኻ ሃገራት ድምጸን ብዝበለጸ ከስምዓ ወሳኒ ምዕራፍ ዝኸፈተ ነይሩ ይብሉ።

ወሃቢ ቃል ፕሬዝዳንት ጃኮብ ዙማ ቦንጋይ ማጆላ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ደርባን ዝተጀመረ ልዝብ ኣብ ናይ ፓሪስ ዋዕላ ብሕጊ ኣሳሪ ኮይኑ ክወጽእ ኣለዎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አፍሪቃዊያን ተላዘብቲ ዛዕባ ለውጢ ክሊማ ዕውት ኽከውን'ዩ ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00

XS
SM
MD
LG