ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ናይ 19 ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቑ


Africa Bank
Africa Bank

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኢንቨስት ዝገብር ዝዓበየ ትካል ምዃኑን ፡ እቲ ባንኪ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 72 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ኤርትራ ኢንቨስት ከምዝገበርን ኣፍሊጡ`ሎ

እቲ ገንዘብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝሕዞ ኣጀንዳ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን፡ ሳይንሳዊ ሕርሻን ዝሰማማዕ ምዃኑ ፡ ዲረክተር ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ`ቲ ባንኪ ሱኒታ ፒታምበር ገሊጻ።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኢንቨስት ዝገብር ዝዓበየ ትካል ምዃኑን ፡ እቲ ባንኪ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 72 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ኤርትራ ኢንቨስት ከምዝገበርን ኣፍሊጡ`ሎ።

ካብ ዳካር- ሰኔጋል ንቪኦኤ ዝተዛረበት ሚስ ሱኒታ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣባላት ቦርድ `ቲ ባንኪ ዝጸደቀ ገንዘብ፡ ብለቓሕን ብሓገዝን ዝውሃብ ኮይኑ ንዕብየት ኤኮኖሚ`ታ ሃገር ንምሕጋዝ `ዩ ኢላ፡

"እዚ ዝሓልፈ መጋቢት 3 ብቦርድ ዝጸደቐ ፕሮጀክት፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሳይንስን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምሕያል ብሕታዊ ንግዲ ዘተኮረ ኾይኑ፡ ኣብ`ቲ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ፕሮግራም ዕብየት ኤኮኖሚ ተራ ክህልዎ ዝኽእል`ዩ"

እቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮጀክት ብዓቢኡ ኣብ ክልተ ዝምቀል ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝውሃብ ተክኒካውን ትምህርታውን ስልጠና ኾይኑ፡ እቲ ካልኣይ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝትግበር ሕርሻዊ መጽናዕቲ ምዃኑ እቲ ባንኪ ንቪኦኤ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ይጠቅስ።

ብመስረት`ቲ መግለጺ፡ እቲ ፕሮጀክት፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ትምህርቲ መካኒክ መካይን፡ ህንጻ፡ ፋብሪካ ማሺነርታት፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ኤለክትሪክሲቲ ከምኡ`ውን ምትዕርራይ ኮምፒተራትን መርበባትን ኣብ ዘማዕብልሉ ከተኩር`ዩ።

ብመዳይ ሕርሻ ድማ፡ ናይ ኣትክልቲን እንስሳን ሳይንስን፡ ሕርሻዊ መካኒክነትን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣብ ዘማዕብሉ ኣብያተ ትምህርቲ ከደህብ ምዃኑ ሚስ ሱኒታ ፒታምፐር ገሊጻ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:57 0:00

ንምዃኑ ንብዝሒ`ቲ ገንዘብ ዝምልከት፡ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ 19 ሚሊዮን ዶላር ክውስን ዝኽኣለ ብምንታይ መዐቀኒ`ዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ዲረክተር ክፍሊ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ሚስ ሱኒታ ፒታምፐር፡ ሃገራት ነናተን ኣመዳድባ ኣለወን ትብል፡

"ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ዝጥቀመሉ ኣገባብ መዐቀኒ ኣለዎ፡ ደረጃን ጠለባትን ሃገራት፡-ከምኡ ከኣ ኩነታት ጸጥታ፡- ነቲ ለቓሕ ዝምልከት ድማ፡ ሓንቲ ሃገር ኣብ ነፍስ ወከፍ 2ተ ዓመት ከመይ ከይዳ ዝብል ነገራት እቲ ቦርድ ዝርእዮም ረቓሒታት`ዮም"

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኢንቨስት ዝገብር ትካል ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ባንኪ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ፕሮጀክት ን4ይ ግዚኡ ምዃኑን፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 72 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ኤርትራ ኢንቨስት ከምዝገበርን ኣፍሊጡ`ሎ።

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG