ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህፃውንቲ ንምድሓን ሕርያ መንግስታትን ሃገራትን የብለይን ኢሎም ቢል ጌትስ


Bill Gates
Bill Gates

ህይወት ህፃውንቲ ንምድሓን ኣብ መንጎ መንግስታትን ሃገራትን ምርጫ የበለይን ኢሎም ቁፅሪ ሓደ ሃፍታም ቢል ጌትስ።ትካሎም ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሰርሖ ሕጉስ ምዃኖምን ተወሳኺ መደባት ንምዝርጋሕ እውን ከምዝደልዩን ገሊፆም።ናይ ክብሪ ዶክትሬት ድግሪ ካብ ኢድ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተቐቢሎም ኣለው።

ኣቦ መንበር ፋውንደሽን ቢሊን ሜሊንዳ ጌትስን ከምኡ እውን ብሃፍቶም ኣብ ዓለም ኣብ ቁፅሪ ሓደ ዝተሰርዑን ቢል ጌትስ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ሸራተን ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ትካሎም ሓገዝ ኣብ ዝህበለን ሃገራት ዘለው ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ዘእቲ እንተኾይኑ ተሓቲቶም ህይወት ህፃናት ንምትራፍ ኣብ ሃገራት ምርጫ ኣይገብርን ኢሎም።

ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከቡ ህፃውንቲ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ስለዘለዎም ንኣብነት ህፃውንቲ ብሕማም ንፎዮ ከይሞቱ ኣብ ሰሜን ኮሪያ ክታበት ክውሃብ ብገንዘብ ሓጊዝና ኢና ኢሎም።ብዛዕባ መንግስቲ ሰሜን ኮሪያ ፅቡቕ ዝብሃል ብዙሕ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን ዝበሉ ቢል ጌትስ ብምስዓብ ‘’ሕማቕ መንግስቲ ስለዝኾነ ህፃውንቲ ሰሜን ኮሪያ ብምኽንያት ንፊዮ ህይወቶም ክስእኑ የብሎም’’ኢሎም።

ኣሽንዃይዶ መንግስታት ኣብዘለዎም ሃገራት መንግስቲ ኣብዘይብሎም እውን ንሓደጋ ዝተቓልዑ ህፃናት ንምድሓን ትካሎም ከምዝሳተፍ ይገልፁ ቢል ጌትስ።

ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈራት ጥዕናን ሕርሻን ን15 ዓመታት ዝኣክል ሰፊሕ ሓገዝ እናገበረ ይርከብ።ቢል ጌትስ ኣብ ክልቲኦም ዘፈራት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ምምሕያሽ ተራኢዩ’ሎ ይብሉ።

ኣብ ምርባሕ ከፍቲ ሓድሽ ፕሮግራም ንምዝርጋሕ ይሕሰበሉ ከምዘሎ እውን ዕላዊ ገይሮም።

ይስርሑ ብዘለው ፕሮጀክትታቶም ብዙሕ ምምሕያሽ ምርኣዩ ኣዚዮም ሕጉስ ምዅናምን ምርባሕ ከፍቲ ኣብ ዝኣመሰሉ ሓድሽቲ መርሃ-ግብርታት እውን ስራሕ ንምጅማር ምስ መንግስቲ ምምኽኻር እናካየድና ንርከብ ኢና ኢሎም።

ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዝተረኸብሉ ስነርዓት ካብ ኢድ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝተቐበልዎ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ድግሪ ከምዘሕጎሶምን ዝለዓለ ኽብሪ ከምዝተሰምዖምን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኣመሰላ ዝንቀሳቐሱለን ሃገራት ከምዚ ዝበለ ድግሪ ምርካበይ የኹርዐኒ፤ናይ ብሓቂ ድግሪ እውን ስለዘይብለይ ናይ ክብሪ ድግሪ ምርካበይ ናይ ትምህርቲ ናይ ምስክር ወረቐተይ ዘጠናኽረለይ እዩ ኢሎም ብምስዓብ ቢል ጌትስ።

ብዓልቲ ቤቶም ሜሊንዳ ጌትስ ካብኦም ብዝበለፀ ናብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ግዜ ከምተመላለሳ ተዛሪቦም።

ፋውንደሽ ቢሊን ሜሊንዳን ጌትስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ጥዕናን ሕርሻን ብዙሕ ኣማእቲ ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዝሓገዘ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG