ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተማሃሪት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀረብ ዝስተ ማይ ትተሓጋገዝ


ጽዮን ዮሃንስ
ጽዮን ዮሃንስ

“ኣብ ክረምቲ 2014 ምስ ስድራ ቤተይ ናብ ኤርትራ ኬይደ ኔረ…..ቆልዑ ናብ መኪናና ብምምጻእ ማይ ክንህቦም ይምሕጸኑ ኔሮም… ነዞም ክንዳይ ዝኾኑን ካባይ ዝንእሱ ቆልዑ ንምሕጋዝን ለውጢ ንምምጻእን ወሲነ” ትብል ጽዮን።

እቲ ንሳ ዝመወለቶ ፕሮጀክት ማይ ክምረቕ ከሎ ዝተሰማዓ ክትገልጽ ከላ “ብጣዕሚ’የ ተሓጉሰ። አብ እዋን ልደት’የ ኸይደ እዚ ኸአ ንዓይ እቲ ዝበለጸ ህያብ ልደት’ዩ ። ነቶም ቖልዑ ምርኣይ እቲ ቦምባ ማይ ተሰሪሑ ንሶም’ውን ተሓጉሶም ምርኣይ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕጉስ። ዓቢ ክብረ-በዓል’ዩ ድማ ተጌርሉ። ጽቡቕ’ዩ ተሰሚዑኒ ምክንያቱ ሓደ ለውጢ ከምዘተኣታተኹ’ዩ ዝስምዓኒ ከምዚ ከማይ ንካልኦት ቆልዑ’ውን አብ ምትእትታው ለውጢ ክሰርሑ የተባብዕ” ኢላ።

Tsion-Yohannes
Tsion-Yohannes

መንእሰይ ጽዮን ዮውሃንስ ስዩም ፡ “አብ መጻኢ ብሓይሊ ጸሓይ ዝሰርሕ ናይ ማይ ፓምፕ ንምትእትታው’የ ዝጽዕር ዘለኹ። እዚ ድማ ካብቲ ብኢድ ዝሰርሕ ዝሓሸን አብ ጉዳይ ሓለዋ አከባቢ ድማ ምስ ተፈጥሮ ተሳንዩ ዝከይድ’ዩ። ስለዚ ናይ መጻኢ መደበይ እዚ’ዩ” ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስ ተማሃሪት ጽዮን ዮሃንስ ስዩም ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ተማሃሪት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀረብ ዝስተ ማይ ትተሓጋገዝ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:31 0:00

XS
SM
MD
LG