ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦምብ ተፈንጂሩ ክልተ ሰባት ሞይቶም


Addis Ababa - City Council
Addis Ababa - City Council
ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብኽልተ ሱማሊያዊያን ውልቀ ሰባት ዝተፈፀመ እዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎማዕንቲ ሰኒ ገሊፁ።

ሓባራዊ ፀረ ሽብር ግብረ ሓይሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ደሕንነትን ከምኡ’ውን ፌደራላዊ ፖሊስን ንናይ መንግስቲ መራኽቢ ብዙሃን ከምዝገለፆ እቲ ፍንጀራ ሩዋንዳ ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ከባቢ ቦሌ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ከምዝበፅሐ ሓቢሩ።

እቲ ፍንጀራ ኣብ ዝበፅሐሉ ገዛ ተኻሪዮም ይነብሩ ናይ ዝነበሩ ክልተ ሱማሊያዊያን ህይወት ምጥፍኡ እውን እቲ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ’ሎ።

መፃረዪ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ይካየደሉ ኣብዝነበረ ቦታ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ይዳለው ከምዝነበሩን ሓይልታት ፀጥታ ተዋዲዶም ብምንውስቓሶም ግን መጥቓዕቲ ንምፍፃም ዘኽእሎም ኩነታት ስለዝኸልኡዎም እቲ ቦምብ ንናይ ባዕሎም ህይወት ከምዘጥፈአን ሓቢሩ።

ኣብቲ ፍንጀራ ዝበፅሐሉ ገዛ ሽጉጥ፣ኽልተ ኻዝና ጠያይቲ፣ናይ ኢድ ቦምብታትን ናይ ቦምብ መቀፃፀሊ ባትሪን ከምኡ’ውን ንርእሰ ቕትለታዊ ዝጥቀምሉ ጃኬትን መዕጠቕን ተረኺቡ’ሎ ብመሰረት እቲ መግለፂ።ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ጋንታ ማሊያ እውን ኣብቲ ገዛ ተረኺቡ’ሎ።
ናይቲ ገዛ መካረዪን ምስቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮምን ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለው።

እቶም ዝሞቱ ምስ ኣል-ሸባብ ርክብ እንተሃሊዩዎም ግን ዝተገለፀ የለን።
XS
SM
MD
LG