ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ይዋሃብ’ሎ


TIGRAY-Polio
TIGRAY-Polio

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ሓደ ብሕማም ፖልዮ ማለት ኣልምሲ ዝተጠቐዐ ማማይ ከምዝተረኸበ ምግላፅና ይዝከር

ብግርማይ ገብሩ

ሃገራዊ ወፍሪ ፀረ ሕማም ኣልምሲ መስከረም 23 ተጀሚሩ’ሎ ክሳብ ሰንበት መስከረም 26 ክወሃብ እዩ፡፡ ኣብቲ ወፍሪ ብደረጃ ሃገር ሸውዓተ ምኢቲ ሽሕን ሰብዓን ሓደን ህፃውንቲ ክኽተቡ እዮም፡፡
ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣተሓባባሪ ጥዕና ኣደታትን ህፃውንትን ኣይተ ፍስሃ ኣሸብር ንድምፂ ኣመሪካ እንትገልፁ መንግስቲ ኣመራርሓ፣ ብኣወዳድባ ሓይሊሰብን ቀረብ ሕክምናዊ ናውትን እኹል ምስንዳእ ብምክያድ ነቲ ወፍሪ ጀሚሩ’ሎ፡፡

እቲ ውራይ ቤት ንቤት ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ ባይታ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዳ ኣባላት ልምዓት ጉጅለን ሰብ ሞያ ጥዕናን ይሳተፋሉ፡፡ ሕድሕድ ቤት እናተኳሕኮሐ ቆልዓ ዘለዎን ዘይብሉን ብምፅራይ ዘይተኸተበ ቆልዓ ከየምልጥ ይረጋገፅ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ሓደ ብሕማም ፖልዮ ማለት ኣልምሲ ዝተጠቐዐ ማማይ ከምዝተረኸበ ምግላፅና ይዝከር፡፡
XS
SM
MD
LG