ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ሙስሊም ማሕበረሰ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዓለም ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም


ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ከተማታት ሎማዕንቲ ዓርቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶምን ኣብ ምክያድ ይርከቡን።
ካብ ዝሓዙዎም ጭርሖታት ዝተኣሰሩ መራሕትና ይፈትሑ፣መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ጣልቃ ኣይእተው፣ሕገመንግስቲ ይከበር ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንተን ዲሲ ሎሚ ዓርቢ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተቓውምኦም ክገልፁ ኣርፊዶም።ነቲ ሰልፊ ዘዋደዶ ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ሙስሊም ’’ድምፅና ይሰማዕ’’ ምዃኑ ናይቲ ምንቅስቓስ ሓላፊ ኮሚንኬሽንን ሚዲያን ኣቶ ሰይድ ኣውድራሕማን ሓቢሮም።

ካብ ዋሽንግተን ዲሲ እየ ዝበሉ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ መሓመድ ዑመር ዝተብሃሉ ሰልፈኛ ዕልማን ትፅቢትን እቲ ሰልፊ ‘’መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኹነታት ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ፈጢሩ ንዞም ተኣሰሮም ዘለው መራሕትና ፈቲሑ ናብ ዝነበርዎ ንኽመልሶም መራሕትና ዘይኮኑ ሰባት ድማ ካብ ቦቱኦም ከውርዶም ኢና ትምኒትናን ድልየትናን’’።
ንሕና ኣሸበርቲ ኣይኮናን ኢሎም ኣቶ መሓመድ ዑመር።

‘’ድምፅና ይሰማዕ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ሓባር ጭርሖ ዝንቀሳቐሱ ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ፣ኣብዚ ኣብ ከተማ ሲያትል፣ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ተኻይዶም ወይ ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡን ፅባሕ ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ከምዝካየድን ኣዳለውቲ ገሊፆምልና።
XS
SM
MD
LG