ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራማራይን ሓረስታይን ኪዳኑ ግርማይ


Tigray-Farmer-Researcher
Tigray-Farmer-Researcher

ሓረስታይ ኪዳኑ ግርማይ ሓደ ካብቶም ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኽሊ ትግራይ ኣብ ተግባራዊ ምርምር ዘሳትፎም ዘለዉ ተመራመርቲ ሓረስቶት እዮም

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዝረኸቦም ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ብቕንዕና ብምቕባልን እቶት ዘሰስኑ መይላታትን ብምትግባር ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ደብረ ብርሃን ኣብነታዊ ሓረስታይ ምዃኖም ኣረጋፆም ኣለዉ፡፡

ተመራማራይ ሓረስታይ ኪዳኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ዋዕላ ተግባራዊ ምርምር ተሳቲፎም እዮም፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ምስ ተወከልቲ ለሴቶን ማላውን ከምኡ’ውን ምስ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመፁ ሓረስቶት ተመኩሮ ተለዋዊጦም እዮም፡፡

ሓረስታይ ኪዳኑ ዓመታዊ እቶት ብምርካብ ውሕስና መግቢ ስድረኦም ብተግባር ዘረጋገፁ ሓሙሽተ ደቆም ኣምሂሮም ናብ ዝላዓለ ደረጃ ስራሕ ዘሰጋገሩ ህርኩት ገባር እዮም፡፡

ብዋናነት ኣብ ፍርያት ድንሽን ሽኮር ድንሽን፣ ኮሚደረን ሽጉርትን፣ ስርናይን ስገምን፣ ትሩንጕን ኣራንሽን፣ ንህብን ምሩፃት ዓሌት ከፍትን ኣድሂቦም ይሰርሑን ሓደሽቲ መይላታት ሕርሻ ግብራዊ ይገብሩን ኣለዉ፡፡
Kidanu Girmay
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:03 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG