ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ታንዛኒያ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም


USA-OBAMA/AFRICA
USA-OBAMA/AFRICA
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዑደቶም ብምዝዛም ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ታንዛኒያ ዳር ኤስ ሰላም ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።እዚ ኣብ ሰልስተ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ዘካይድዎ ምብፃሕ መወዳእታ ምዕራፍ እዩ።ምስ መዘንኦም ጃካያ ኪክዌተ ክዘራረቡ እዮም።ይዓቢ ምስ ዘሎ ቁጠባ ኣፍሪካ ርክቦም ንምጥንኻር ምድፍኦም እውን ክቕፅልሉ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ስድርኦም ኣብ ታንዛኒያ ኣብዝኣተውሉ እዋን ኣብ ከተማ ዳር ኤስ ሰላም ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ብፕሬዝዳንት ታንዛኒያ ጃካያ ኪክዌተ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።ኣሽሓት ነበርቲ እታ ከተማ ንዕኦም ዝሓዘት መኪና ንምርኣይ ካብ መዕረፎ ነፍርቲ ጀሚሮም ሪጋ ሒዞም ንጎደናታ መሊኦምዎ ይርኣዩ።

ክልቲኦም ፕሬዝዳንትታት ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ፕሬዝዳንት ኪክዌተ ብ’’ኮርፔረሽን ብድሆ ሚሊኒየም’’ ኣቢሎም ንዝሃብዎ ሓገዝ ንፕሬዝዳንት ኦባማ ኣመስጊኖምዎም።ህዝቦም በዚ ፕሮግራም እዚ ተረባሕቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝስተ ማይን ትምህርትን ኮይኖም ኣለው ኢሎም።

ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ንኽልተ ማዕልታት ኣብዝፀንሕሉ እዋን ምስ ፕሬዝዳንት እታ ሃገርን ምስ መራሕቲ ንግድን ተራኺቦም ክዘራረቡ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ምምራት ሓይሊ መብራህቲ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ሓድሽ ተበግሶ ትማሊ ሰንበት ዕላዊ ገይሮም ኣለው።በቲ ተበግሶ ተረባሕቲ ካብዝኾና ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪካ ታንዛኒያ ትርከበን።

ታንዛኒያ ዝዓብየ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓገዝ ካብ ዝረኽባ ሃገራት’ውን ሓንቲ እያ።ፕሬዝዳንት ኦባማ ግን ኣብታ ሃገር ረድኤት ከኮነስ ኢንቨስትመንት ክውስኽ ተስፋ ኣለዎም።

ፕሬዝዳት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ነይሮም ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዑደቶም ዝዛዘሙ።ንስለስተ ማዕልታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ብፅኑዕ ሓሚሞም ዝርከቡ ኔልሰን ማንዴላ ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩ ሮብን ኣይላንድ በፂሖም።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬፕ ታውን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሸቶ ፖሊሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኣፍሪካ ኣቐሚጦም።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ተጠቃምነት ሓይሊ ኤለክትሪክ ብኽልተ ዕፅፊ ንምውሳኽ ዘኽእል ዝበልዎ ‘’ፓወር ኣፍሪካ’’ ንዝተብሃለ ሓድሽ ተበግሶ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት 7 ቢሊዮን ዶላር ክትወፊ ኢያ ኢሎም።

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል ኤልክርትሪክ ምርካብ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ንሶም ‘’ህፃናት ከፅንዑ፣ሓሳብ ናብ ተግባራዊ ውራይ ንምስግጋር፣ስድራታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ጠለባት ክረኽቡ፣ኣፍሪካ ናብ ናይ ዓለም ቁጠባ ክትኣቲ ቀንዲ መራኸቢ መስመር ሓይሊ መብራህቲ እዩ።’’

ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን ኣብዚ ሓድሽ ተበግሶ ፈለማ ምስ ኢትዮጵያ፣ጋና፣ኬንያ፣ላይበሪያ፤ናይጀሪያን ታንዛኒያን ክሰርሓ እየን።
ኣብ መደርኦም ብተደጋጋሚ ኣፍሪካ ትምዕብል እያ ዘላ ክብሉ ተዛሪቦም ኦባማ። እንተኾነ ግን ኢሎም ንሶም እታ ክፍለ ዓለም ንሰብኣዊ መሰላት እትህቦ ቦታ ትሑት ስለዝኾነ ህፁፅ ምምዕራይ ከምዝሓትት ኣጠንቂቖም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንደቂ ኣንስትዮ ዘየሳተፈት ሃገር ክትበፅሖ ኣብ ዝግብኣ ምዕባለ ኣይክትበፅሕን እያ ኢሎም።ኣብ ማሊ፣ሱማሊያን ሱዳንን ይካየዱ ንዘለው ግጭታት ኣፍሪካዊያን ትካላት ፍታሕ ክናድዩ ፀዊዖም።

ብኻሊእ ዜና ፕሬዝዳብት ኦባማ ኣብ ከተማ ሲዌቶ ንዝትኣከቡ ሰባት መደረ ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ እዋን ቁፅሮም 24 ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ሙስሊም ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረበ ትፍፅሞ ዘላ ዝበልዎ በደል ጠጠው ንኽተብል ፅዕንቶ የሕድሩ ክብሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ታንዛኒያ ዑደቶም ዛዚሞም ፅባሕ ሰሉስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ክምለሱ እዮም።
XS
SM
MD
LG