ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ብዓለም-ለኸ ሚድያታት ዝተበላሸወ መልክዕ ኣፍሪቃ፣ብደቂ’ታ ኣህጉር ክፅብቅ ኣለዎ” ይብሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


Africa
Africa
ብዓለም-ለኸ ሚድያታት ዝተፀየቀ መልክዕ ኣፍሪቃ፣ብሰብ-ሞያ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ኣፍሪቃ ክልወጥ ከምዘለዎ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

መራሒ ጋና ድማ፣ንሚድያ ጥጡሕ ባይታ ዘይፈጠሩ መንግስታት፣ ንኩለመዳያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ይድርቱ ኣለው ኢሎም።

ናብ‘ቲ ትማሊ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኸፍተ ኣኼባ ማሕበር ህዝባዊ ርክባት ብወካሊኦም፣ምንስትር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ኣቶ በረከት ስምኦን ፅሑፍ ዝላኣኹ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ንክፅልም ዝተገብረ መልክዕ ኣፍሪቃ ኣብ ምምሕያሽ ፃዕሪ ሰብ-ሞያ ኮምንኬሽን ኣገዳሲ‘ዩ ኢሎም።

ኢትዮዽያ‘ውን ግዳይ ፃዕሪታት ፀለመ ዓለም-ለኸ ሚድያታ ከምዝኾነት ዝጠቀሱ ኣቶ ሃይለማርያም፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ግና፣ሳላ‘ታ ሃገር ተመዝግቦ ዘላ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ሓቢሩ ዝላዓል ኲናትን ጥምየትን ይሃስስ‘ሎ ኢሎም።

“ንሃገር በቀል ፖሊስታትና ነኺስና ክንሕዝ ከለና፣ንኣሉታዊ ወፍሪ ሚድያ ንኸፍሎ ዋጋ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና።ጠንኪርና ምስንሰርሕን ንሃገርና ምስ ንልውጥን ግና፣ኣሉታዊ ወፍሪ ሚድያታት ውዒሉ ሓዲሩ ክፈሽል‘ዩ።እዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝሰርሕ‘ዩ ኢለ‘የ ዝኣምን።ንህዝቢታት ኣፍሪቃ ዓቅሚ ክሳብ ዘይፈጠርናሎም፣ልምዓትን ምዕባለን ክሳብ ዘየረጋገፅና፣ሕማቅ ምስሊ ኣህጉርና ክቅፅል‘ዩ” ይብል መልእኽቲ ቀ/ሚ ሃይለማርያም።

ፕረዚደንት ጋና ጆን ድራማኒ ማሃና ብወካሊኦም ዘቅረብዎ ፅሑፍ፣ ዘማእኸሎ ኣብ ነፃነት ሚድያን ነፃ ሚድያ ንኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዝህልዎ ረብሓ‘ዩ።

እቶም ፕረዚደንት ”ንናይ ኮምኒኬሽን ሃዋሁ ናፃ ክገብሩ ንዝቀረበሎም ፃውዒት ዕሽሽ ዝብላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ንናይ ህዝቦም ልዑል ክእለት ኣተሓሳስባን ክእለት ንግዲን ንዘለዎም ተኽእሎ ንከይምዝምዙ በገዛ ርእሶም ኣምኪኖሞ‘ዮም።መሪሕነት ንዝተፈላለዩ ርክባት እንተዘየሐይሉን ንማሕበረ-ሰብ እንተዘየሳቲፉን፣ዓቅሙ ከሐይል ኣይካኣሎን‘ዩ” ኢሎም።

እቲ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ኣኼባ ማሕበር ሰብ-ሞያ ኮምንኬሽን‘ታ ኣፍሪቃ፣ፅባሕ ዓርቢ ክዛዘም‘ዩ ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG