ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናጽነት ፕረስ ብጸረ-ሽበራ ሕጊ`ታ ሃገር ይቕተል ኣሎ` ሁማን ራይትስ ዋች


 Press Freedom
Press Freedom

ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኩነታቶም ከምዘይፈልጥ ዝገልጽ`ቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ህላዌኦም ዘይፍለጥ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት`ውን ብቀይሕ-መስቀል ክብጽሑ ጸዊዑ

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ኣባል ተቓወምቲ ኣንዱኣለም ኣራገን ዝተበየነ ፍርዲ ክጸንዕ ምውሳኑ፡ ንኣመሪካ ብዓሚቕ ኸምዘሕዘና ሎሚ ኣፍሊጡ`ሎ።

“እቲ ሎሚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ፡ ንጸረ ሽበራ ሕጊ ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ነቐፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖሊቲካዊ ፍርዲ ምሃብ`ዩ” ኢሎም ምኽትል ወሃብቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩ.ኤስ።

ኣብ ሁማን ራኡትስ ዋች ሓላፊት ጉዳይ ኣፍሪቃ ለስሊ ልፍኮ፡ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት, ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን፡ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡና`ሎ ትብል።“መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም-ለኸ ተዓዘብቲ ክበጽሖም ከፍቅድ ንጽውዕ”።

ብዛዕባ ኹነታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ዝሓወሰ ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።
Press-Freedom
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:42 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG