ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ካብ ናይ ሶማልያ ሓላፍነታ ከምዘይትሃድም ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣረጋጊፃ


ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ኢትዮዽያ ንሰራዊታ ካብ ሶማልያ ብምውፃእ ካብ ሓላፍነታ ከምዘይትሃድም፣ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ገሊፆም።

ንሶም ነዚ መግለፂ‘ዚ ዝሃቡ፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ንቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ኢትዮዽያ ንመንግስቲን ህዝቢን ሶማልያ ከይረሰዐት፣ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ንክተውፅእ ትሕልን‘ላ ድሕሪ ምባሎም‘ዩ።

ሰራዊት ኢትዮዽያ ካብ ከተማ ሑዱር ሃንደበት ድሕሪ ምስሓቦም፣ኢትዮዽያ ንውግእ ፀረ-ኣልሸባብ ራሕሪሓቶ ትወፅእ‘ላ ዝብል ጥርጣረ ኣስዒቡ‘ዩ።ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግና፣ካብ ሑዱር ይኹን ካብ ባይዶዋ ብዛዕባ ምስሓብ፣ቅድም ኢሉ ንዝምልከቶም ኣካላት ዝተገልፀ‘ዩ ኢሎም።

ንዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ብገንዘብ ዝድጉም ማሕበረ-ሰብ ዓለም‘ዩ።ኢትዮዽያ ግና ንኣብ ሶማልያ ዘሎ ሰራዊታ ካብ ካዝናኣ ትሽፍን ከምዘላ እቲ ዜና ይሕብር።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG