ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንናይ ምምላኽን ካልኦትን መሰረታዊ መሰላት ምዕፋን ነቲ ፀገም ኣብ ክንዲ ክፈትሖ ከጋድዶ ይኽእል እዩ ተባሂሉ


Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስግኣት ሃይማኖታዊ ፅንፈኝነት እንተሃለዎ እውን ብነፃነት ናይ ምምላኽን ካልኦት መሰረታዊ መሰላትን ምዕፋኑ ነቲ ፀገም ኣብ ክንዲ ክፈትሖ ከጋድዶ ይኽእል እዩ ክብል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ነፃነት ሃይማኖት ንምግምጋም ዝተጉዓዘ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዓለምለኸ ኮምሽን ሃይማኖት ኣብዘውፅኦ ሪፖርት ገሊፁ።ብኻሊእ ወገን ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ዋልታ ማእኸል ሓበሬታን ሎምቅነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሪኢቶ ህዝቢ ናይ ሃይማኖት ኣኽራርነት እናተርኣየ እዩ ክብል መተሓሳሳቢ ኣውፂኡ’ሎ።

ዓለምለኸ ኮምሽን ሃይማኖት ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ተፅዕኖን ሓገዝ ገንዘብን መንግስቲ ነፃ ኮይኑ ዝሰርሕ ናይ ምምላኽ ፀገም ናብዝተርኣየለን ሃገራት ብምኻድ ገምጋሙ ንኣባላት ቤት ምኽሪ፣ንፕሬዝዳንትን ንምንስቴር ጉዳያት ወፃእን ዩናይትድ ስቴትስ ሪፖርት ዘቕርብ ትካል እዩ።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ንተመሳሳሊ ተልእኾ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ግብፂ፣ባሕሬይን ታጃኪስታንን ዑደት ብምፍፃም ሃይማኖታት ብነፃነት ናይ ምእማን መሰል እንተሃሊዩ ተኸታቲሉ’ሎ።ናይ ኢትዮጵያ ገምጋም ዝሓቖፈ ፀብፃብ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ዕላዊ ከምዝኸውን መራሒ ጉጅለ እቲ ሉኡኽ ዙህዲ ጃስር ገሊፆምልና ኣለው።

ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ታሪኽ ምክእኣል ሃይማኖት ስለዝነበራ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዓለምለኸ ናይ ሃይማኖት ኮምሽን ንምርመራ ናብታ ሃገር ክገይሽ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ ይብሉ ንሶም።
ምስቲ እትነብረሉ ከባቢ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ እንድሕር ሪኢና ምስልምና ካብ ዝተኣታቶ ካብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክርስቲያንን ምስልምናን ሃብታም ናይ ምክእኣልን ኣዝዩ ዘደንቕ ምቅርራብን ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም።ካብ 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ 30 ሚሊዮን ሙስሊም እዩ’ውን ኢሎም።

ካብ ወርሒ ነሓሰ 2011 ኣ/ፈ ጀሚሩ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ማሕበረሰብ ሙስሊም ጣልቃ ምእታው ምጅማሩ ሰሚዕና ይብሉ ጃስር።

ኢትዮጵያ ዘላትሉ ከባቢ ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ፍልፍል ኣሸበርትን ናይ ሽብር መርበብን ኣብ ዝኾነት ሱማሊያ፣ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዝርከባሉ ሓደገኛ ከባቢ ስለ እትርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ኣኽራርነት ብፍላይ ድማ ናይ ስዑዲ ዓረብ ወሃቢ ምስልምና ናብታ ሃገር ንከይኣቲ ከምዘተሓሳሰቦ ይገልፁ ጃስር።

ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንምክትታል ናብታ ሃገር ከምዝተጉዓዙን ምስ ምንስትራት፣ምስ መራሕቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን፣ምስ ጠበቓታት ሽብር ብዝብል ዝተኣሰሩ 28 ሰዓብቲ ምስልምና ከምዝተራኸቡ ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ዋልታ ማእኸል ሓበሬታን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘካየድዎ መፅናዕቲ ሪኢቶ ህዝቢ ኣብታ ከተማ ፅንፈኝነት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ኩነታት ንህዝብን መንግስትን ስግኣት ስለዝኾነ ብቐረባ ብምክትታል ምላሽ ዘድዮ እዩ ክብል ፀዊዑ’ሎ።
XS
SM
MD
LG