ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ዘንፀላለዋ ሓደጋ ’ቅፅበታዊ ምስላዕ በጀት’ - Sequester


President Barack Obama
President Barack Obama
ኣብ ኣሜሪካ ’ኣልማማ ምንካይ በጀት’ (Sequester) ንከየጋጥም፣ኣባላት ቤት ምኽሪ ንክሰርሑ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ መፀዋዕታ ኣቅሪቦም።

ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ምርድዳእ እንተዘይተበፂሑ፣85 ቢልዮን ዶላር በጀት ብቅፅበት ክስላዕ‘ዩ።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ቅፅበታዊ ምስላዕ በጀት ፈደራላዊ ትካላት፣ሳዕቤኑ ንዘፈር ምክልኻል፣መሓውራዊ ህንፀት፣መንግስታዊ ኣብያተ-ትምህርቲን ኣፀደ ህፃናትን ዝልክም‘ዩ ኢሎም።

ብመሰረት‘ዚ፣ሰራሕተኛታት ምንስቴር መከላኸሊ ካብ መኣዲ ስርሖም ብዘይክፍሊት ዕረፍቲ ክወስዱ ክግደዱ‘ዮም።ገዘፍቲ ፕሮጀታት መሓውራት ንጊዚኡ ደው ክብሉን፣ክፍላተ-ግዝኣታት ከይተረፋ፣ካብ‘ቲ ረስኒ ከምዘየምልጣ ተፈሊጡ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG