ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምፅና ይሰማዕ ዝብሉ ሙስሊማት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም


ኢትዮጵያዊያን ሙስሊማት ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣንዋር መስጊድን ኣብዝተፋላለዩ ከተማታትን ናይ ሃይማኖት ነፃነት ሕቶና ይመለስ፣ድምፅና ይሰማዕ ክብሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘይተረጋገፀ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዩቱብ ዝተዘርግሐ ቪዲዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንዋር መስጊድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ።

ድሕሪ ናይ ዓርቢ ስግዳን እቶም ሰልፈኛታት ኢድ ኒድ ተታሓሒዞም ኣይንፈላለን ክብሉ ተሰሚዖም ኣለው።ንደሕንነቱ ብምስጋእ ስሙ ዘይገለፀ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣመስጊድ ኣንዋር ብዙሕ ህዝቢ ከምዝነበረን ዝተኣሰሩ ኮሚቴታትናን ዝተኣሰሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይፈትሑ፣ኣብ መንበሪ ገዛና ሰላም ስኢና ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ መልእኽቶም ከምዘስምዑ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ማሕበረሰብ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝን ኣፍልጦን ዘይብሉ ሕጋዊ ዘይኮነ ናይ ለይቲ ዳህሳስ ከምዝካየድ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኩሎም ዝተኻየዱ ሰልፍታት ሰላማዊ ምንባሮም እውን ገሊፆም ኣለው እቶም ተሰለፍቲ።
XS
SM
MD
LG