ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ሕ/መን ንልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ንምስልጣን ተሊሞም


UNDP
UNDP
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ውራይ ንግዲ ንዝዋፈሩ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ስልጠና ንምሃብ ወጢኖም ኣለው።ናይ ሰለስተ ዓመታት ፕሮግራም ጀሚሮም።

ኣብ ውራይ ንግዲ ንዝሳተፉ ንልዕሊ 200 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ንሰበስልጣን መንግስትን UNDPን ንምስልጣን እዩ እቲ ትልሚ።ነዚኦም ብምስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስራሕ ንምፍጣር ከምዝክኣል ይገልፁ።

ትኹረት መንግስቲ ኢትዮጵያን UNDPን ናይ ባዕሎም ንግድን ንእሽተይን ማእኸላይን ኩባንያታትን ንምጥያሽ ድልየት ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብቁጠባ ብቕልጡፍ ይዓብያ ካብዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።እንተኾነ ብመሰረት ናይ UNDP መዐቀኒ ሰብኣዊ ዕብየት ገና ኣብ ድሕሪት እያ ዘላ።ካብ 187 ሃገራት ኣብ መበል 174 ትርከብ።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ሰብኣዊ ዕብየት ብ32 ሚእታዊ ተመሓይሹ እዩ።ኮይኑ ግን ዳርጋ ሲሶ ህዝባ ኣብ ድኽነት ይነብር።
ETHIOPIA/UNDP
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:45 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG