ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሱዳናት ግጭት ክልዓል ይኽእል እዩ ክትብል ደቡብ ሱዳን ኣጠንቂቓ


Jonglei, South Sudan
Jonglei, South Sudan
ሱዳን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘሰሓሕብ ዶብ ወታደራታ ኣዕሲላ ክትብል ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምኽሳሳ ምስ ሱዳን ዳግም ግጭት ክልዓል ይኽእል እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ።

‘’ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ናብ ክፈል ግዝኣታት ምዕራባዊ ባሕር ኣል ጋዛልን ናብ ሰሜናዊ ባሕር ኣል ጋዛልን ብበዝሒ ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ተዓዚብና ኣለና።’’ክብሉ ናይ ጁባ ምኽትል ምንስቴር ምክልኻል ማጃክ ዲ ኣጉት ኣቴም ገሊፆም ኣለው።

ሱዳን ኣብ ከባብታት ሀግሊግ ፓንቱፑን ኣብ ወሰና ወሰን ክፍለ ግዝኣት ኣፐር ናይልን ወታደራት ተስፍር ኣላ ኢሎም።

ሱዳን ንብርክት ዝበሉ ዶባት ደቡብ ሱዳን ብምጥሓስ መጥቓዕትታት ከምዝፈፀመት’ውን ኣቴም ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ዝሕብሮ ነገር እንተሃለወ ኢሎም ኣቴም ንክልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ብሓይሊ ንምፍታሕ ብወገን ሱዳን ዓብዪ ወታደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ውጥን ከምዘሎ እዩ ዝሕብር ኢሎም።

ሱዳነ ነቲ ኽሲ ኣወንታ ይኹን ኣሉታ ኣይሃበትሉን።
XS
SM
MD
LG