ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 19 ሚሊዮን መረፅቲ ምምዝጋቦም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ
ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ
ኣብ ናይ 2005 ዓ/ም ናይ ከባቢን ናይ ክልተ ከተማታትን ምርጫ ልዕሊ 19 ሚልዮን መረፅቲ ምምዝጋቦም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝካየድ ናይ ከባብኢን ናይ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሪዳዋን ምርጫ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ክኸውን እዩ ይብል ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ።

ምኽትል ኣካቢ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዶ/ር ኣዲሱ ገብረእግዛብሄር ናይዚ ዓመት ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ዝሓሸ ከምዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ኣብ 2002 ዓ/ም ሃገራዊ ምርጫ ንኽዕዘብ ዝተጋበዘ ጉጅለ ተዓዝቢ ሕብረት ኣውሮፓ ዝዘርዘሮም ናይቲ ቦርድ ድኽመታት እንትዛረቡ ዶ/ር ኣዲሱ እቲ ጉጅለ ንመንግስቲ ዘቕረብዎ ሪፖርት ከምዘየለ ብምሕባር ኣብ ናይ ባዕሎም ግምገማ ከምዝተመስረቱ ገሊፆም።

ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ መረፅቲ ምዝገባ በቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ እናተኻየደ ምዃኑ ብምሕባር ክሳብ ትማሊ ሓሙስ 9 ጥሪ 2005 ዓ/ም ኣብዘሎ እዋን 19 ሚልዮንን 479 ሽሕን 114 መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው።

ኣብዚ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ ናይ መረፅቲ ምዝገባ ብግዲ እዩ ዝፍፀም ዘሎ ክብሉ ተቓወምቲ ይገልፁ ኣለው።ምርጫ ቦርድ ግን እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ይብል።
እቲ ናይ መርፅቲ ምዝገባ 21 ጥሪ 2005 ዓ/ም ከምዝዛዘም ቦርድ ምርጫ እንተገለፀ’ውን ክሳብ ሕዚ ክንደይ ዝኾኑ ሕፁያት ከምዝተመዝገቡ ዕላዊ ኣይገበረን።
XS
SM
MD
LG