ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንዘረባ መራሒ ግብፂ ኣውጊዛቶ


President Mohamed Morsi
President Mohamed Morsi
ፕረዚደንት ግብፂ መሓመድ ሙርሲ፣ቅድሚ ክልተ ዓመት ”ደቅናን ደቂ-ደቅናን፣ንኣይሁዳውያንን ፅዮናውያንን ፅልኢ ንክሓድሮም ክንምህሮም ኣለና” ኢሎም ንዝሃብዎ ሪኢቶ ክስሕቡ ኣሜሪካ መፀዋዕታ ኣቅሪባ።

ወሃቢት ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ቪክቶርያ ኑለንድ፣ዋሽንግተን ነቲ ፕረዚደንት ሙርሲ መራሒ ሙስሊማዊ ሕውነት ከለው ዝሃብዎ ሪኢቶ ተውግዝ ኢለን።ሚስተር ሙርሲ ሽዑ”ህፃናት ግብፂ፣ማዕረ ኣምልኾት ፅልኢ‘ውን ክማሃሩ ኣለዎም” ኢሎም ነይሮም።

ወ/ሮ ቪክቶርያ፣”እቲ ንሰምዖ ዘለና ሪኢቶ፣ኣዝዩ ዘቆጥዕ‘ዩ።ሙሉእ ንሙሉእ ነውግዞ። ሃይማኖታዊ ፅልኣት ብሙልኦም ከምነውግዞም ማለተይ‘የ” ይብላ።

ፕረዚደንት ሙርሲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ፣ ንፅዮንዊያን ”መጠጥቲ ደምን ንፍልስጤማውያን ዘጥቅዕን፣ህርፋን ኲናት ዘለዎምን ኣህባይንን ሓሰማን” ኢሎም ይገልፅዎም።

ወ/ሮ ቪክቶርያ ኑለንድ፣ከምዚ ዝዓይነቱ መደረታት፣ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ተቃሊሑ‘ዩ።ሚስተር ሙርሲ ድማ ንጌጋኦም ክስሕቡ ይግባእ ኢለን።

ኣስዒበን ”ፕረዚደንት ሙርሲ፣ዝተፈላለየ እምነት ንዘለዎም ህዝቢታት ከምዘኽብሩ፣ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ተቀባልነት ከምዘይብሉን ኣብ ዴሞክራስያዊት ግብፂ ቦታ ከምዘይህልዎን፣ንህዝቦምን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብግልፂ ክዛረቡ ንደልዮም ኢና” ኢለን።

ፕረዚደንት ሙርሲ እቲ ቃለ-ምልልስ ካብ ዝፍኖ ንዳሓር ኣብ ዘሎ ጊዜ ሪኢቶኦም ኣይሃቡን ዘለው።እንተኾነ እቲ ቃለ-ምልልስ ኣብ ኢንተርኔት ተዘርጊሑ‘ዩ ዝርከብ።ብሕልፊ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ፣ ንግብፂ ዝላኣኸላ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግታእ ኣለዎ ኢሎም ኣብ ዝዛረቡሉ እዋን፣እቲ ምስሕሓብ ምልዓሉ ንርክብ ኣሜሪካን ግብፂን ወሳኒ ኣጀንዳ ክኸውን‘ዩ።

ወ/ሮ ቪልቶርያ ኣብ ዘረበአን፣ሚስተር ሙርሲ ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ተሓጋጊዞም ንክሰርሑ ድልየቶም ምኻኑ ቃል ኣትዮም‘ዮም ኢለን።

ኣብ‘ቲ ናይ ቅድሚ ዓሚ ቃለ-ምልልሶም ግና፣ሚስተር ሙርሲ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይን ኣውሮዻን ደገፍቲ ፅዮናውያን ክብልዎም ከለው፣ብሕልፊ ንፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ንዓረባዊ ዓለም ባዶን ትርጉም ዘይብሉን መብፃዓ ዝሃቡ ሓሳዊ ኢሎም ገሊፆምዎም።
XS
SM
MD
LG