ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ን12 ጽጉማት ኣዴታት ኣባይቲ ሃኒጾም ዘረከቡ ግዱስ


ዓብደላ ሓሰን ባድረግን ተጠቀምቲ ኣደታትን
ዓብደላ ሓሰን ባድረግን ተጠቀምቲ ኣደታትን
ዓብደላ ሓሰን ባድረግ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ንግዲ ናውቲ ህንጸት ዝወፈሩ ግዱስ እዮም፡፡ ረዳኢ ንዝሳኣና 12 ጽጉማት ኣዴታት መንበሪ ኣባይቲ ሃኒጾምለን፡፡ ሕድሕደን ዝነብራሉ ክፍሊ ምስ ነናይ ባዕለን ቆጻሪ ማይን መብራህቲን ከምኡ እውን ሽቓቕን ባኞን ዘማለአ ገዛ ብ2.8 ሚልዮን ቕርሺ እዮም ሃኒጾም፡፡ ተወሳኸቲ 24 ገዛውቲ እውን ኣብ ምህናጽ ይርከቡ፡፡

ስድራ ባድረግ በዚ ከይተወሰኑ ካብ ወለዶም ዝወረሱዎ ሰናይ ተግባር ይቕጽሉ ኣለዉ፡፡ ጾመ ረመዳን ብዝመጸ ቑጽሪ ኣባጊዕ ሓሪዶም ምግቢ ኣብ ገዛ ኣሰናዲኦም ንተሃነጽቲ ይእንግዱ፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 03 ዝርከብ መስጊድን ኣብ ውሽጢ እቲ መረባ ዝርከብ ጉድጓድ ማይ ብስድራ ባድረግ ዝተሃነጸ እዩ፡፡

ወላዲኦም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 8ን 14ን ንህዝቢ ኣጸጋሚ ዝነበረ መንገዲ ቢንቶ ሃኒጾም ሕብረተሰብ ከይጽገም ዝገበሩ ምንባሮም ህዝቢ መቐለ ይዝክሮም፡፡

ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:29 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG