ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ግምጋም ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ኮይኑ


AU, Addis Ababa
AU, Addis Ababa
ሃገራት ኣፍሪቃ ብድልየተን ነንባዕለን ዝገማገማሉ መድርክ ዘውፀኦ ንኢትዮዽያ ዝምልከት ሪፖርት፣ዝላዓለ ቆላሕታ ከምዝህብሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።ዛጊድ ሰላሳን ሓደን ሃገራት ኣብ‘ቲ መድረኽ ተሓቊፈን‘ለዋ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

እቲ መድረኽ ንኢትዮዽያ ኣማእኪሉ ዘካየዶ መፅናዕቲ ውፅኢቱ ሎሚ ወግዓዊ ኮይኑ‘ሎ።ገምጋም ዝተገበረሎም ዘፈራት ድማ ፖለቲካዊን ዴሞክራሲያዊን ምሕደራ፣ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዕብየትን‘ዮም።

ኣብ ልዕሊ‘ቲ ንኢትዮዽያ ዝምልከት ሪፖርት መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ናብ ዝርዝር ከይኣተው ከምዝቅበልዎ ጠቂሶም።

”ብዛዕባ ኢትዮዽያ ዝተዳለወን ሎሚ ዝተቀበልናዮን ሪፖርት፣ውፅኢት ዘቆምናዮ ንነብስኻ ትግምግመሉ መድረኽ‘ዩ።ካብ ልብና‘ውን ንቅበሎ ኢና።ልዑል ግምት‘ውን ክንህቦ ኢና።እቲ ሪፖርት ዝገምገሞም ኣርባዕተ ዘፈራት ንምምሕያሽ ክንጥቀመሎም ኢና።ምስ ሃገራዊ ውጥናትና ኣቃዲና ክንትግብሮ ድልየትና‘ዩ” ኢሎም።

ንቀ/ሚ ኣማኻሪ ጉዳያት ቁጠባ ኣቶ ንዋይ ገብረኣብ ብወገኖም፣እቲ ገምጋም ንብርክት ዝበሉ ኣካላት ዘሳተፈ ምኻኑ ጠቂሶም።ቅድሚ ሎሚ እቲ መድረኽ ዘዳለዎ ሪፖርት፣ቀ/ሚ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ከምዝተካየደ ዝዝከር‘ዩ።ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ገምጋም ድማ ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ኣቶ ንዋይ ጠቂሶም።
XS
SM
MD
LG