ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቴሌኮም ኣብ ኢድ መንግስቲ ኮይኑ ክቅፅል‘ዩ ይብሉ ዶ/ር ደብረፅየን


ዶ/ር ደብረፅየን ገ/ሚካኤል
ዶ/ር ደብረፅየን ገ/ሚካኤል



please wait

No media source currently available

0:00 0:05:54 0:00
መራገፊ


ከም ቴለኮምኒኬሽን ዝበሉ ዘፈራት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም፤ነዚ’ውን ዘእምን ምኽንያት ኣለና ክብሉ ብምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ማዕረግ ኣተሓባባሪ ዘፈር ኢኮኖሚ ዝኾኑ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኢንፎርመሽን፣ኮሚኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ምንስቴር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም።

ናይ ኢትዮ-ቴለኮም ምምሕዳር ካብ ናይ ፈረንሳይ ፍራንስ-ቴለኮም ናብ ኢትዮጵያዊያን ምዝውዋሩ ዕላዊ ኣብዝገበርሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ናይቲ ትካል ኣመራርሓ ብምምሕያሽ ጥራሕ ለውጢ ምምፃእ ከምዝክኣል ተራእዩ እዩ ኢሎም።

ቅድም ክብል ናይ ኢትዮጵያ ቴሌኮምኒከሽን ኮርፐሬሽን ብዝብል ስም ይፅዋዕ ዝነበረ ምምሕዳር ኢትዮ-ቴለኮም ናብ ናይ ፈረንሳይ ፍራንስ-ቴሌኮም ዝተመዛወረ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ነይሩ።እቲ ናይ ምምሕዳር ኮንትራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቂዑ’ሎ።ነዚ ዕላዊ ዝገበሩ ብምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ማዕረግ ኣተሓባባሪ ዘፈር ኢኮኖሚ ዝኾኑ ናይ ኢንፎርመሽን፣ኮሚኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ምንስቴር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እዮም።

ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ/ም እንትዛዘም ቁፅሪ ተጠቀምቲ ተንቀሳቓሲ ስልኪ 40 ሚሊዮን ንኽበፅሕ ትልሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ኣብዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ዘፈር ቴለኢኮምኒኬሽን 12 ቢልዮን ቕርሺ ኣታዊ ምርካቡን ዶ/ር ደብረፅዮን ኣረዲኦም።ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ግን ሸውዓተ ቢልዮን ብር ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ምስፍሕፋሕ ክንድዚ ዝኣክል እንተተሰርሐ’ውን ኣብ ፅርየት ሽግራት ምስትውዓሎም ገሊፆም ኣለው።ኣብ ዝቕፅል እውን ብምምሕዳር ኢትዮጵያዊያን ሰብሙያ ኣብ ፅርየት ትኹረት ከምዝውሃብ ተዛሪቦም።
ቴሌኮምኒኬሽን ንናይ ውልቂ ዘፈር ክፉት ዝኾነሉ ዕድል ከምዘየለ’ውን እቶም ምንስቴር ኣፍሊጦም።ዓለምለኸ ትካላትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ዘለወን ሃገራትን ቴሌኮምኒኬሽን ዝኣመሰሉ ትካላት ንናይ ውልቂ ዘፈራት ክፉት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣይልወጥን ኢሎም ዶ/ር ደብረፅዮን።

‘’እዚ ናይ ቴሌኮም ዘፈር ልክዕ ከም መንገዲ፣ሓይሊ መብራህቲ፣ከም ሃብቲ ማይ፣ትምህርቲ፣ ጥዕና ንኹሉ ሕብረተሰብ ደረጃ ብደረጃ ተረባሒ ክንገብሮ ኣለና ዝብል እምነት ኣለና።ንልምዓትና ኣብ ምድጋፍ ዘለዎ ጊደ’ውን ዓብዪ እዩ።’

ናይ መንግስቶም መዐቀኒ ዘዋፅእ ድዩ ኣየዋፅን ብዝብል ናይ ዕዳጋ ሕጊ ኣብ ከትማታት ኦፕሬተራት ብምስፍሕፋሕ ከይኮነስ ንልምዓት ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብታ ሃገር ኣብዝርከባ ኩለን ገጠራት እቲ ሽፋን ንቕባፃሕ ምግባር እዩ ኢሎም።

ሎሚ ናይ ገጠር ሽፋን ብዝለዓለ ደረጃ ስለዝዓብየ 73 ሚእታዊ ከምዝበፅሐ እዚ’ውን ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ኢንተርኔት’ውን እዩ ኢሎም።

ምስ ልምዓትና ብዘለዎ ምትእስሳር ዓብዪ መሳርሒ ስለዝኾነ መንግስቲ ሒዝዎ ክጉዓዝ ኣለዎ ምስበሉ መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾና ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ብዛዕባ ዝመፅእ ድፍኢት እንትምልሹ ‘’ንሕና ዘእምኑ ምኽንያታት ኣለውና።ካብ ድኽነት ንናገፍ ኢና ዘለና።ዘለና ፀጋ ኣዋዲድና ድኽነት ንምቕራፍ፣ልምዓት ንምርግጋፅ ክንጥቀም ኣለና።’’ኢሎም።

ዋንነት ዝምልከት ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ግልፂ ዝስልዝኾነሎም መሻርኽቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ደጋጊሞም ዘልዕልዎ ሕቶ ከምዘይኮነ ሓቢሮም።ኣብ ከተማ ንተመሳሳሊ ረብሓ ሰለስተ ኣርባዕተ ናይ ቴሌኮምኒኬሽን ኦፕሬተራትን ኔትወርክን ብምህናፅ ብዙሕ ገነዘብ ከምዝባኽንን መንግስቲ ስለዝሓዞ ግን ብኽነት ሃብቲ ሃገር ከምዝንክን ሓቢሮም።

በቲ ዝግባእ ደረጃ ኣገልግሎት ከምዘይተስፋሕፍሐ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን እዚ’ውን ምስ ምምሕዳር እቲ ካልእ ዝርአ እምበር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ብምዃኑ ኣይኮነን ኢሎም።ኣብ መወዳእታ 2002 ዓ/ም 6.4 ሚሊዮን ተጠቃሚ ዝነበረ ናይ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ሎሚ 20 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ገሊፆም።ናብ 6.4 ሚሊዮን ተጠቃሚ ንምዝርጋሕ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ከምዝወሰደሎምን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግን ስለስተ ዕፅፊ ከምዝዓበየን እቲ ዋንነት ከይተቐየረ ምምሕዳሩ ብምልዋጥን ውፅኢታዊ ኣመራርሓ ብምግባርን እቲ ውፅኢት ከምዝመፀ ኣብሪሆም እቶም ምንስቴር።

ኣብ መንጎ ኢትዮ-ቴለኮምን ፍራንስ-ቴሌኮምን ድሕሪ ሕዚ ዝህሊ ናይ ስራሕ ርክብ ኣብኣጋርነት፣ኣብምሃብ ደገፍን ምኽርን ጥራሕ ከምዘተኩር ኣብቲ መገልፂ ተገሊፁ’ሎ።በዚ መሰረት እውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ብሩኖ ዱትዋ ሓዊሱ ገለ ኣካላት ፍራንስ ቴለኮም ንክሽዑ ኣብ ሓላፍነት ከምዝፀንሑ ተፈሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG