ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛውቶም ንዝፈረሶም ሰባት ረድኤት ንከይነቕርብ ዝኸልከለና የለን ክብል ቀይሕ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ


ዘይሕጋዊን ብዝብል መንበሪ ገዛውቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝፈረሱዎም ዜጋታት ረድኤት ንኸይነቕርብ ዝኸልከለና ኣካል የለን ክብል ጨንፈር ቀይሕ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።ብጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ዝተውሃበ ሪኢቶ ዝተጋገየ ምዃኑ ዝገለፁ ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣቶ ኤሊያስ ኣያና ሓገዝ ዘይሃብናሉ ምኽንያት መረዳእታ ብዘይምቕራቡ እዩ ኢሎም።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት /ሰመጉ/ ትማሊ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ጣቢያ ቀርሳን ኮንቶማን ዘይሕጋዊ ብዝብል ምኽንያት መንበሪ ኣባይቶም ዝፈረሱዎም ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ ነበርቲ ከምዘለውን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ሓገዝ ትካላት ነቲ ጉድኣት ንምፅራይን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን ኣብዝኸድሉ እዋን ናይቲ ከባቢ ሰበስስልጣን ንኽወፁ ከምዘገደዱዎምን ንሰመጉ ገሊፆም ይብል እቲ ሪፖርት።

ዳይረክተር ሰመጉ ኣቶ እንዳልካቸው ሞላ ነዚ ንምፍፃም ኣብዝፈተነሉ እዋን ከምኡ ንኸይገብር ብሓይልታት ፀጥታ ተኸልኪልና ኢሎም።’’ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንኦፊሰራት ሰመጉ ብቃል ሪፖርት ገይሩሎም እዩ።’’

ናይ ኣዲስ ኣበባ ጨንፈር ማሕበር ቀይሕ መስቀል ግን እቲ ሓበሬታ ዝተጋገየ እዩ ኢሉ’ሎ።ንቶም ተመዛበልቲ ሓገዝ ከምዘይተውሃበ ንቪኦኤ ዝገለፁ ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣቶ ኤሊያስ ኣያና ምኽንያቱ ድማ ተኸልኪልና ከይኮነስ መረዳእታ ስለዘይቐይረበ እዩ ኢሎም።

ኣስዒቦም ‘’ዝኸልከለና ኣካል’ውን የለን።ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ገዛውቲ ዝፈርሶም ሰባት መፂኦም ንኽንሕግዞም ሓቲቶምና ብትኽእል ዝተጎዳእኹም ንምዃኑኹም ካብዘለኹምሉ ጣቢያ ክንደይ መራሒ ስድራ፣ክንደይ ቤተሰብ ከምዝተፈናቐለ እንታይ ዓይነት ረድኤት ከምዘድልየኩም እንድሕ ኣምፂኢኹም ክንዲ ዝከኣለና ክንሕግዘኩም ኢና ኢልናዮም።’’

ከምዚ ዝበልሉ ምኽንያት ዝኾነ ይኹን መንገደኛ ሰብ መፂኡ ሓግዙና ስለዝብልን ንምፍላይ ኣፀጋሚ ስለዝኾነን እዩ ኢሎም ኣቶ ኤሊያስ።ዛጊድ ካብዝኾነ ይኹን ኣካል መረዳእታ ከምዝየመበፅሖምን ዝርዝርን ዝተረጋገፀን ሰነድ እንተቐሪቡሎም ግን ንምሕጋዝ ቁሩባት ምዃኖምን ኣቶ ኤሊያስ ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG