ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ትኹረት ንኽህቡን ዝተኣሰሩ ንኽፍትሑን ንምሕታት ኢትዮጵያዊያን ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ኣካይዶም


ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሓዱሽ ናይ ፈረንጂ ዓመት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ትኹረት ንኽህቡ ንምትሕስሳብን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይኣግባብ ተኣሲሮም ንዝበሉዎም ፖለቲካዊ እሱራት ንኽፍትሑን ንምሕታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝነብሩ ውሱናት ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሰንበት ምሸት 21 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ኣካይዶም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ዘካየዱ ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነይሮም።

ነቲ ስነስርዓት ዘዳለዎ ማርች ፎር ፍሪደም ዝተብሃለ ትካል እዩ።እቲ ትካል ቅድም ክብል ኣብዝበተኖ ፅሑፍ ‘’ወገናትና ብሰላማዊ መንገዲ ንነፃነት፣ንፍትሒ፣ንማዕርነት ደቂ ሰባትን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝሓተቱ ኣብ አፍቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓኖምን ኣብ ናይ ሕልና እሱራት ይበፅሕ ዘሎ ኣረመናዊ ጭካነን ኣዝዩ ኣሕዚኑና’ሎ’’ ክብል ይገልፅ።

መቅደሰ ዝተባህሉ ካብቶም ነቲ ስነስርዓት ዘዳለው ሓደ ከምዝገለፅዎ ማርች ፎር ፍሪደም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ንዝፍፀሙ መግሃስቲ እናተኸታተለ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ከፍልጥ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

ንዝኾነ ይኹን ጉጅለ ወኪልና ኣይኮናን ኣብዚ ተረኺብና ዝበሉ ኣቶ መቅደሰ ‘’ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ጀሚሩ ክሳብ ደቡብ፣ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ህዝቢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናተዳጎነ እዩ።ግፍዒ እናተፈፀሞ እዩ።’’ኢሎም።

ጋዜጠኛታት ሓሳቦም ብምግላፆም፤ካልኦት ድማ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ልዕሊኦም ይፍፀም ዘሎ መግሃስቲ ጠጠው ንኽብልን ነታ ሃገር ብሽም ህዝቢ ዝውሃብ ሓገዝ እውን ነቲ ህዝቢ ምግሃስቲ ይውዕል ስለዘሎ ጠጠው ንኽብልን ከምዝሓተቱ ሓቢሮም ኣቶ መቅደሰ።
ኣብቲ ስነስርዓት ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣቶ መቅደሰ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ብምእነቶም ወይ’ውን ብምዝራቦምን ብምፅሓፎምን ከይኮነስ ኣብ ናይ ሽብር ተግባር ብምስታፎም እዩ ይብል።

ንሕግታት ፀረ ሽብርን ነቲ ስርዓትን ዝነቕፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቓወምትን ዓለምለኸ ትካላትን ግን ብናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሕዝኡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ይወቕሱዎ።
XS
SM
MD
LG