ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ወርዳ ራያ ኣላማጣ ዝኾኑ ሰባት ካብ መንበሪና ንኽንወፅእ ንግደድ ኣለና ይብሉ


ኣብ ክልል ትግራይ፣ዞባ ደቡብ፣ወረዳ ራያ ኣላማጣ ፣ጣቢያ ሰላም ብቓልሲ፣ቑሸት ጋርቤ ዝነብሩ ገባራት ንልዕሊ 19ን 30ን ዓመታት ካብ ዝንበርናሉ ቦታ ብመንግስቲ ውፁ ተባሂልና ክብሉ ኣፍሊጦም።ገዛውቶም ዝፈርስ ዘይሕጋዊ መሸጣ ዝፈፀሙን ኣብ ተሓራሲ መሬት ገዛ ዝሰርሑን እዮም ይብል እቲ ወረዳ ምምሕዳር።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ክልተ ነበርቲ እታ ቑሸት ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ እቲ ቦታ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተቐበልዎ እናሃለወ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ውፁ ስለዝበሎም 1,570 መራሕቲ ስድራ ኣብ ጭንኪ ይርከቡ ኣለው ኢሎም።ጥርዓኖም ናብ ዞባን ክልልን ኣቕሪቦም ኣብ ወረዳኹም ወድኡ ከምዝተብሃሉ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣምሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ግን ኣብታ ቑሸት 1,356 መራሕቲ ስድራ ከምዝርከቡን ካብዚኦም እቶም 57 መራሕቲ ስድራ መሬት ብዘይሕጊ ብምሻጥ እቶም 206 ድማ ኣብ ተሓራሲ መሬት ገዛ ብምስርሖም ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG