ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዚምባብወ ኣንጻር ትሕቲ ዕድመ መርዓ ይጉስጉሱ


ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ወፍሪ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኻየድ ጎነጽ ዝጀመረሉ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ን16 መዓልታት ዝጸንሕ ወፍሪ ኣብ ዝምባብወ ዝርኸቡ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ አንስትዮ ዋላ’ኻ ቅዋም እታ ሃገር እንተዘየፍቕድ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝዘውትሮ ጉዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከተኹር እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ብዝወጸ ጸብጻብ መሰረት ኣስታት 5,000 ኣዋልድ ዝምባብወ ብሰንኪ መርዓ ትምህርቲ ምቁራጸን ይሕብር። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ንተሓለቅቲ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ዘሻቐለ ጸብጻብ እዩ ምክንያቱ ኣዋልድ ትምህርተን ክውድኣ ይድለይ’ዩ።

ዚቫ ማካንዳ ካብ ሃገራዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓድጊ ኣዋልድ ዚምባብወ እዚ ሓድሽ ጸብጻብ እቲ ትካል ትኩረቱ ከምዝቅይር ምድራኹ ትገልጽ።

“ንሕና ብፍላይ ትምህርተን አቋሪጸን ክወጻ ዘገደደን ምክንያት ኣብ ዝብል ንሰርሕ። እዚ ድማ እቲ ቀንዲ መበገሲ ትሕተ ዕድመ መርዓ ንምፍላጥ ይሕግዝ። እዘን ኣዋልድ ዝተፈላለየ ምክንያት የልዕላ። ገለ ካብኡ ድኽነት፡ባህሊ፡ ገለ’ውን ኣብ መንጎ ስድራቤት ዘሎ ባእስን ዘይምስምማዕ ከም ምስ ሰይቲ ኣቦ ወይ ሰብኣይ አደ ዘሎ ዘይምስምማዕ ከም ረቛሒ የልዕላ። ገለ ካብቲ እተን ኣዋልድ ከቋርጻ ዝደፋፍአን ምክንያታት እዮም።”

እዚ ሓድጊ አዋልድ ዚምባብወ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ሎሚ ዓርቢ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዚምባብወ ዓለምለኸ ትካላት ብዛዕባ ትሕተ ዕድመ መርዓ ኣብ ዝንባብወ ልዝብ ካብ ዘኻየዱ አካላት ሓደ እዩ። ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ዚምባብወ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ገበን ምኳኑ እንተገለጸ እኳ እቲ ማህበረሰብ ግን ነቲ ልምዲ ቀጺልዎ ይርኸብ።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ናይ ህዝቢ ሓገዝ ዚምባብወ ሓንቲ ካብተን አርባዕተ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘለዋ ልዑል መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝረኣየለን ሃገራት እያ። እተን ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ማላዊ፡ሞዛቢክን ዛምብያን እየን።

ኣብ ዝምባብወ ቀንዲ ምክንያት ትሕቲ ዕድመ መርዓ ድኽነት፡ ሃይማኖትን ባህሊን ኽኸውን ኸሎ ካብ ሰለስተ አዋልድ ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ትምርዓው።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ናይ ህዝቢ ሓገዝ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምኳኑ ይሕብር እንተኾነ ግን ብጣዕሚ ውሑዳት ዜጋታት ዝምባብወ ነዚ አተሓሳስባ ይድግፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዚምባብወ አንጻር ትሕቲ ዕድመ መርዓ ይጉስጉሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:18 0:00

XS
SM
MD
LG