ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አጋይሽ መደብ መንእሰያት - መሃዚ ስንዓ ካብ ኣስመራን ደራሲ ካብ መቐለን


መንእሰይ ዳንኤል ስምረትን(ጸጋም) መንእሰይ ዳኒኤል በላይ(የማን)
መንእሰይ ዳንኤል ስምረትን(ጸጋም) መንእሰይ ዳኒኤል በላይ(የማን)

ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘይብሉን ሕፅረት ኣብዘለዎን ቦታ ብመካኒካዊ ኣገባብ ካብ ናይ ቀደም ቴፕ ሪከርደራት ፓውዛን ፀዓት ኤሌክትሪክ እተመንጭው መሳርሒ ዝሰንዓን ኣብ ስራሕ ንዝውዓለ መንእሰይ ዳንኤል ስምረት’ዩ።

ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ መንእሰይ ካብ ኣስመራ ብዛዕባ ስርሓቱ ኣዘራሪብዎ’ሎ።

ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ አርባዕተ መጽሓፍ አሕቲሙ ዝዘርገሐ መንእሰይ ዳኒኤል በላይ’ውን ጋሻ መደብ መንእሰያት እዩ።

ቅድሚ 5 ዓመታት ዘሐተመን "ይሓልፍ ዶ ይኸውን?" እትብል ልበ ወለድ መፅሓፍ ከምኡ እውን "መቑሽሸይ" ዘርእስታ ንእሽተይ መጽሓፍ ድማ ኣብ ስነ ልቦናዊ ትሕዝቶ ዘድሀበት እያ።

ሎሚ ቕነ አሐቲሙ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰቲ ሆቴል ዘመረቐን ክልተ መጽሓፍቲ ድማ "ወሓዚ ሓልዮት" ልበ ወለድ ብተወሳኺ "መቑሽሽና" ካልኣይ ሕታም መጽሓፍን እየን።

ደራሲ ዳኒኤል በላይ ኣብ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ መጽሓፍቲ ዝተሓተሙን ኣብ ዕብየት ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ለውጢ ይርአ ምህላዉን ይገልፅ። መጽሓፍ ንምሕታም ድማ ደረስቲ ከቢድ ሓርጐፅጐፅን ፃዕርን ይሓቶም ምህላዉ ይዛረብ።

ዳኒኤል ኣብ ኣስመራ ተወለዱ፣ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ምስ ተማሃረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዱን፤ ብድሕሪኡ ናብ ኣመሪካ ምኻዱን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር መንእሰይ እዩ።

ምሉእ ርእይቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አጋይሽ መደብ መንእሰያት - መሃዚ ስንዓ ካብ ኣስመራን ደራሲ ካብ መቐለን
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:38 0:00

XS
SM
MD
LG