ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ከተማ ዓዲ ግራት


አባላት ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ
አባላት ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብግዱሳት ተማሃሮን መምህራንን ዝተጣየሸ ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ማሕበራዊ ፀገማት ንዘለዎም ወገናት ኣብ ምሕጋዝ ይሰርሕ።

ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር መንእሰይ ሙሉኣለም ስለሴ ንድምፂ ኣመሪካ እንትዛረብ "እቲ ማሕበር ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምዃን እኹል እዩ ብዝብል መምርሒ ሓሳብ ሰብኣውነትና ንምርኣይ ዘጣየሽናዮ እዩ" ይብል።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ክልተ ዘይርእዩ፣ ዘይሰምዑን ዘይዛረቡን ደቂ ንዘለዉዎን ኣደይ መብራት ፅጋብ ገንዘብ ኣዋህሊሎም ዓመት በዓል ምስ ስድረአን ከምዘሕለፍዎ ኣባላት እቲ ማሕበር ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀንዳዕሮ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዓዲ ግራት ዝነብር መሓሪ ተኽላይ ዝበሃል ምስማዕ፣ምዝራብን ምውስዋስን ዘይኽእል ወዲ 20 መንእሰይ ንምሕጋዝ ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከቡ ድማ ሙሉኣለም ይዛረብ።

ወላዲ እቲ ጉዱእ መንእሰይ ኣይተ ተኽላይ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ብምዛር ፊደልን ስእሊ መላእኽቲን ዝሓዙ ወረቓቕቲ ብምሻጥ ሰለስተ ደቆም ይሕብሕቡ።

ንመሓሪ ወዶም ኣብ ተሽከርካሪ ወንበር ሰቒሎም ይናብዩ፤ መሓሪ ብርሕቐት ኣብ ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ሞያ ሒሳብ እዩ።

ኣባላት ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሙሉኣለም ስለሴ፣ ዳናይት ገብረህይወት፣ሌላና ገብረጻዲቕን ምሕረት ግርማይን ኣብ ውሽጥን ወፃኢን ሃገር ዝርከብ ግዱስ ወገን ብዝኸኣሎ ዓቕሚ ንማሕበሮም ክሕግዝ ፀዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ከተማ ዓዲ ግራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:53 0:00

ህያብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ከተማ ዓዲ ግራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00


XS
SM
MD
LG