ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም - ዓበይቲ ፍጻሜታት ዓመተ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ


ethiopia map
ethiopia map

ኢትዮጵያ ብክስተት ኤል-ኒኞ ኣጋጢሙዋ ዝነበረ ድርቂ መኪታ ኣብ ዝሓለፈትሉን ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከትን ኣብ ዝተረጋገአሉ እዋን እያ ናብ ሓድሽ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት 2017 ትሰጋገር ዘላ ኢሎም ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ።ኣብ ኒው ዮርክ ኮሌጅ ኣዮና ተሓሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ዶ/ር ደረሰ ጌታቸው ግን እታ ሃገር ምስ ከበድቲ ፀጋማት እያ ትሰጋገር ዘላ ይብሉ።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝጅመር ዘሎ ናይ ኣውሮጳዊያን ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፀገማት መዓልቦ ኣብ ዘይረኸብሉ እዋን እዩ ዝኣትው ዘሎ ይብሉ።

እዞም ወሃብቲ ርእይቶ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ካብ ዝተባህለ ተፅዕኖ ድርቂ ምሉእ ምሉእ ኣይሓወየትን’ውን ይብሉ ።

ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ተቓውሞ ስዒቡ ዝተፈጥሩ ኩነታት እውን መዓልቦ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሓላፊ ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ሚዲያን ኣቶ መሓመድ ሰይድ ግን ምስዚ ኣይሰማምዑን።እታ ሃገር ብዝዓበየ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ነቲ ከቢድ ድርቂ መኪታ’ያ ሓሊፋ ይብሉ።

ኣቶ መሓመድ ኣብ መዳይ ምህርቲ እውን ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነፃፀር ከሎ ብ50 ሚሊዮን ኩንታል ከምዝውስኽ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተረኣየ ህውከትን ዘይምርግጋእን ሕዚ ከምዝተወገደ ኣቶ መሓመድ ይገልፁ።

እታ ሃገር ቅድም ክብል እትፍለጠሉ ሰላማዊ ኩነታት ንምርግጋፅን ዝተለዓሉ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስን መንግስቲ ነቲ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ምንቅስቓስ ተሃድሶ የኻይድ ኣሎ’ውን ኢሎም።

ስቕለት ኣልቦነትን ሕቶታት ልምዓትን ንምምላስ ከምኡ እውን ሽግር ኪራይ ኣካብነት ንምቕራፍ ስራሓት ይስርሑ ከምዘለው ብምግላፅ ኣብቲ ህዝቢ ምርግጋእ ከይፍጠር ዝገብሩ ኣስተሓሳስባታት ንምቅላስ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ህዝቢ ዘይውክሉ ነገር ግን ብሽም ዝህቢ ዝተፈላልዩ ጉጅለታት ዝጥቀምሎም ናይ ትምክሕትን ፀቢብነት ሓደጋታት ኣለው ይብሉ።

እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኮይና እያ ናብዚ ሓድሽ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ትሰጋገር ምህላዋ ዝተሓተቱ ንሶም እቲ ኣዋጅ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ ምዃኑ ብምሕባር ከከም ኩነታቱ ዝተዓፃፀፍ ብምዃኑ ብዙሓት ምምሕያሻት ተኻይዶም ኣለው ኢሎም።ከም ኣብነት እውን ዲፕሎማሰኛታት ካብ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ክጉዓዙ ኣቐዲሞም ከፍልጡ ኣለዎም ዝብልን ምስ ናይ ሞባይል ዳታን ዝተልዓሉ እገዳታት ጠቒሶም።

ምስ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ናይ ተሃድሶ ትምህርቲ ይውሃቦም ዝነበሩ ሰባት ምፍትሖም ኩነታት እናተገምገሙ በብእዋኑ ምምሕያሻት ዝግበረሉ እዩ እውን ኢሎም።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኒው ዮርክ ኮሌጅ ኣዮና ተሓሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ዶ/ር ደረሰ ጌታቸው ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ኢትዮጵያ ብፈተናታት ከምዝሓለፈት ይገልፁ።

ማዕረ እቲ ፅገም ዝግባእ ሽፋን ማዕከናት ዜና ኣይረኸበን ዝበሉዎ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ እዩ ክብሉ እውን የዘኻክሩ።

ኣብዚ ዓመት ብድምር ኣስታት 17 ሚሊዮን ህዝቢ ናይ መግብን ዝስተ ማይን ሕፅረት ፀገማት ከጋጥሞ እዩ ኢሎም።እዚ ናይ ህዝቢ ፀገም ብፅዕንቶ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ብዓለም ለኸ ደረጃ ናይ ሚዲያ ሽፋን ከይረኸበ ተሪፉ እዩ ኢሎም።

ብኣሜሪካ ይኹን ብሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ እንግሊዝን ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ሽግራት ንምምካት ኣስታት 1.2 ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ከምዝተለገሰላ ይገልፁ።

ኣብ መላእ ኦሮሚያን ክልል ኣምሓራን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጎንደር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ ዓብዪ ፈተና ከምዝነበረን ብፍላይ ድማ ምስ ምስፍሕፋሕ ማስተር ፕላን ኣዲስ አበባ ዝተልዓለ ይሕብሩ።

ዶ/ር ደረሰ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ሕቶ መንነት ወልቃይት ብዝተለዓለ ተቓውሞ ምስ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ግጭት ከምዝተፈጥረ ይገልፁ።ብሰንኪ እዚ ተቓውሞ ብዝሑ ዘይፍለጥ ህይወት ሰብ ምጥፍኡ፣ምእሳሩ፣ንብረት ምዕናውን ምምዝባልን ከምዝተኸሰተ ይገልፁ።

ናይ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ርክባት ክድህስሱ ከለው ድማ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዝተቐየረን ብፍላይ ድማ ኣብ የመን ብዝተፈጥረ ኲናት ሕድ ሕድ ብሓደ ወገን ኢራን ብኻልእ ወገን ድማ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ዘካየድዎ ውግእ ናይ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነድድ ከባቢ ኮይኑ’ሎ ይብሉ።እዚ ብፍላይ ኤርትራ ዘለዋ ዓለምለኸ ርክብ ክውስኽ ኣኽኢሉዋ ይብሉ።

ዶ/ር ደረሰ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ኢዱ ብምጥማር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርኣዮ ተቓውሞ ዝለዓለ ክስተት ምዃኑ እውን ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገምጋም - ዓበይቲ ፍጻሜታት ዓመተ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:07 0:00

XS
SM
MD
LG