ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነተ-ነጻነት ሚድያ ሃገራት ሎም-ዘበን ኣንቆልቒሉ


World Press Freedom 2017
World Press Freedom 2017

‘ነጻነት ሚድያ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ዘበን ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ውን ኣይፈልጥን’ ኢሉ ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት።

እቲ ሪፖርት ወሲኹ ‘ምቅልባስ ነጻነት ሚድያ ጎሊሁ ዝተኸሰተለን ሃገራት፣ ኣብ’ቶም ምልካዊያን መንግስታት ዝሓየሉለን ሃገራት ምኻኑ ይጠቅስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ዝተተግበረ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፣ ‘ኢትዮጵያዊያን ንዝተወሰኑ ሚድያታት ንከይከታተሉ’ውን ዝኣገደ’ ምኻኑ ይሕብር።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ዓለም-ለኸ ትካል ፕረስ ንኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ከምዝሸለሞ ልዑል ኣኽብሮት ከምዝሓደራን ባዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሰርካለም ፋሲል ገሊጻ።

ዶብ ኣልቦ ሪፖርተር ‘ኤርትራ ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ከምትርከብን ብነጻ ሪፖርት ንክትገብርን ሓበሬታ ክትዝርገሐላን ዘይትኽእል ሃገር’ ይብላ።

ኣብ ኤርትራ ሚድያ’ውን ከምኩሉ ኣብ ትሕቲ ዊንታ እቶም ሃዳኒ ሚድያን ብመሰረት ሪፖርት ሕ/ሃ ብገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት ተሓታቲ’ዮም ዝባሃሉን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኣተወ’ዩ’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:25 0:00

XS
SM
MD
LG