ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንወፍሪ ጸረ ሕማም ኤችኣይቪ ዝወሃብ ትኹረት ክቕጽል ዝተፈላለዩ ወገናት አተሓሳሲቦም


ሎሚ ታህሳስ 1 ኣብ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ምክንያት ንወፍሪ ፀረ-ኤች.ኣይ.ቪ. ዝወሃብ ትኹረት ክቕፅል ከምዘለዎ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝወፁ መረዳእታታት ኣተሓሳሲቦም።ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ዩናይትድ ስቴትስ(ዩኤስኣይዲ) ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዳያት ምክልኻልን ምክንኻንን’ቲ ሕማም ዝለዓለ ሓገዝ ምግባሩ ናይቲ ትካል ምኽትል ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ኤችኣይቪ ገሊፆም።

ሎሚ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ኣንፃር እቲ ቫይረስ ዝካየድ ወፍሪ ዓለምለኸ ሓገዝ ኣብ ዝጉደለሉ፣ዝምደብ ገንዘብ’ውን እናውሓደ ይመፅእ ከምዘሎ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን እዩ ዝኽበር ዘሎ ስለዚ ሃገራትን ዝምልከቶም ወገናትን እቲ ጠመተ ንክቕፅል ኣብ ምትሕስሳብ ይርከቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርኣይ መልእኽትታት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ነፃ ዝኾነ ወለዶ ንምፍጣር ሎሚ እውን ጠመተ ንክቕፅሉ ዝፅውዑ እዮም።

ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ዘመሓለለፉ ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ እውን ነዚ መልእኽቲ ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ኤች.ኣይ.ቪ.ቫይረስ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብምንፅፃር ዝወሓደ ምዃኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።ኣብ ምንቅስቓስ ፀረ ኤች.ኣይ.ቪ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ናይ ልምዓት ረድኤት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ምብርካቱ ገሊፁ’ሎ።

ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይቲ ትካል ናይ ኤች.ኣይ.ቪ. ፕሮግራም ምኽትል ኣተሓባባሪ ኣቶ ሳምሶን ኦሊ ንዩኤስኣይዲ ሓዊሱ ዓለምለኸ ኣጋራት ንፀረ ኤች.ኣይ.ቪ. ዝህቡዎ ሓገዝ ይንኪ’ሎ ንዝብል ኣይቅበሉዎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ንወፍሪ ጸረ ሕማም ኤችኣይቪ ዝወሃብ ትኹረት ክቕጽል ዝተፈላለዩ ወገናት አተሓሳሲቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:45 0:00

XS
SM
MD
LG